ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባይደንን ፑቲንን ናይ ማንዛ ርክብ ኣካዪዶም


ፕረዚደንት ባይደንን ፑቲንን ናይ ማንዛ ርክብ ኣካዪዶም
ፕረዚደንት ባይደንን ፑቲንን ናይ ማንዛ ርክብ ኣካዪዶም

ሞስኮ ሰራዊት ናብ ዶባት ዩክሬን ተጸጋግዓሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ምስ መዛኑኦም ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ሎሚ ሰሉስ ናይ ማንዛ ርክብ ኣካዪዶም።

ርክብ ክልተ ላዕለዎት መራሕቲ ዛጊት ክፍለጥ ደኣ ኣይኽኣል እምበር፡ ብመሰረት ኣቐዲሙ ካብ ቤት ጽሕፈት ዋይት ሃውስ ዝወጸ ሓበሬታ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ብዛዕባ’ቲ ሩስያ እትገብሮ ዘላ ተዃታዂ ምንቅስቓስ ከጠንቅቑ ምዃኖም የመልክት። ሩስያ እቲ ካብኣ ዝሕተት ምቍራጽ ተጻብኦ ምስ ዘይተማልእ ተሪር ቍጠባዊ ማዕቀብ ክግበረላ ምዃኑ እቲ ሓበሬታ ይውስኽ።

ሩስያ ኣስታት 70 ሽሕ ሰራዊታ ናብ ዶባት ዩክሬን ከተጸግዕ እንከላ፡ ብመሰረት ገምጋም ሰብ-ስልጣን ኣመሪካ ኣብ ፈለማ 2022 ወራር ክትገብር መደብ ከም ዘለዋ ይግምገም።

XS
SM
MD
LG