ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሶማል ኣንጻር ኣልሸባብ 'ምሉእ ኲናት' ኣዊጁ


መጥቓዕቲ ዘጋጠመሉ ሆቴል ሃያት ሞቃዲሾ
መጥቓዕቲ ዘጋጠመሉ ሆቴል ሃያት ሞቃዲሾ

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣብ ልዕሊ እስላማዊ ጉጅለ ኣል-ሸባብ ምሉእ ኲናት ኣዊጁ፡ እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣልሸባብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዋና-ከተማ ሞቓዲሾ ንሓደ ሆቴል ብምጥቃዕ ብውሕዱ 21 ሰባት ድሕሪ ምቕታሉን ልዕሊ 100 ድሕሪ ምቑሳሉን`ዩ።

እቲ ፕረዚደንት ምስ ቤት ምኽሪ ጸጥታ`ታ ሃገር ድሕሪ ምርኻብ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ተለቪዥን ቀሪቡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ነቲ ጸላኢ ንምስዓር ናብ ሓድነት ንመጻሉ ግዜ ሕጂ`ዩ ኢሉ።

ህዝቢ ሶማል ኣብ ነብስወከፍ መጥቃዕቲ ደቁን ፈተውቱን ክስእን ነዊሕዎ`ዩ ዝብለ ፕረዚደንት ሓሰን፡ ህዝቢ ሶማል ኣንጻር`ቲ ንሰላም ሶማል ጠንቂን ጨካን ኣሸባሪን ዝበሎ ጉጅለ ምሉእ ኲናት ንምክያድ ነብሱ ክዳሉ ኣለዎ ኢሉ።

ኣልሸባብ ብወገኑ፡ ካብ ምምጻእ`ቲ ሓዲሽ ፕረዚደንት ጀሚሩ`ውን ኣንጻር`ቲ መንግስቲ ኲናት ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ ኔሩ`ዩ።

XS
SM
MD
LG