ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ኤርትራ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ


ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሼኽ ማሕሙድ፡ ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሙ ንሃገሩ ተመሊሱ።

ፕረዚደንት ሓሰን ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ተራኺቡ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ሽርክነታዊ ምትሕግጋዝን፡ ሓባራዊ ኣገዳስነት ኣብ ዘለዎም ዞባዊ ምዕባለታትን ዘተኮረ ዘተ ኣካዪዶም።

እዚ ከምዚ’ሎ እንከሎ ምኽትል ኣቦ-መንበር ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ትማሊ 13 መጋቢት ኣብ ኤርትራ ናይ ሓደ መዓልቲ ምብጻሕ ፈጺሙ።

ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ደግሎ ምስ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣብ ክልተኣውን ዞባውን ዘተኮረ ዘተ ኣካይዱ።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG