ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሶማል ንመዝነትን ቀዳማይ ሚኒስትር ምድራቶም ገሊጾም


ፕረዚደንት ሶማል መሐመድ ፈርማጆ
ፕረዚደንት ሶማል መሐመድ ፈርማጆ

ፕረዚደንት ሶማል መሐመድ ዓብዱላሂ መሓመድ (ፈርማጆ)፣ ንመዝነትን ቀ/ሚ መሓመድ ሑሴን ሮብለ ምድራቶም ገሊጾም።

ፕረዚደንት ፎርማጆ "ቀ/ሚ መሓመድ ሑሴን ሮብለ ምስ ፕረዚደንት ሓቢሩ ክሰርሕ ኣይካኣለን ከምኡ'ውን ህዉኽ ውሳነታት እዩ ዝገብር" ኢሎም ይኸሱ ። ቤት ጽሕፈት ቀ/ሚ ግና ዛጊድ ዝሃቦ ግብረ መልሲ የለን።ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ፣ ኣብ’ዚ ቀረባ ብሰንኪ ሃለዋታ ጠፊኡ ዘሎ ኣባል ስለያ’ታ ሃገር ዝነበረት ኢክራን ታህሊን ፈራሕ ኣፈላላይ ምፍጣሩ ዝዝከር እዩ።

እቶም ቀ/ሚ ነቲ ብፕረዚደንት ንኩነተ ምስዋር እታ ሰላይት ንከጻሪ ንዝቆመ ኮምሽን ከምዝነጸግዎ እቲ ዜና ይሕብር። ቀ/ሚ ሮብለ፣ መንግስታዊ ዓውዲ ፍትሒ፣ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ፣ ካብ ጽልዋ ምምሕዳር ነጻ እዩ ባሃላይ እዮም።

አብ’ዚ ቀረባ መግለጺ ዘውጽኡ ፕረዚደንት ብወገኖም "ውሳነታት ቀ/ሚ፣ ንሶማል ናብ ፖለቲካዊን ጸጥታዊን ቅልውላው ከእትዋ እዩ" ኢሎም ነይሮም።

ምንጭታት ድምጺ ኣመሪካ "ቀ/ሚ ኣብ ዝሓጸረ እዋን ርእይትኦም ናብ ህዝቢ ሶማል ከምዘቅርቡ" ጠቂሶም አለው።

XS
SM
MD
LG