ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሶማል ናይ ኣሜሪካ ዜግነቶም ሓዲጎም


ፕረዚደንት ሶማል መሃመድ ዓብዲላሂ መሃመድ ናይ ኣሜሪካ ዜግነቶም ምሕዳጎም ቤት ጽሕፈቶም ኣፍሊጡ። እቲ ቤት ጽሕፈት ምክንያት እቲ ስጉምቲ እንታይ ምኳኑ ኣይገለጸን።

እቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ቲዊተር ዝወጸ መግለጺ፡ እቶም ፕረዚደንት ነቲ ውሳነ ብምትሕብባር ሰብ ሞያ ሕጊ ብወለንትኦም ዘካየድዎ ምዃኑ ይገልጽ። ቅዋም ሶማል ኣብ መሪሕነት ዝመጽእ ውልቀሰብ ድርብ ዜግነት ክሕልዎ የፍቕድ’ዩ።

ፕረዚደንት መሃመድ ቕድሚ ፕረዚደንት ሶማል ኮይኖም ኣብ ወርሒ የካቲት 2017 ምምራጾም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኣሜሪካ ዝነበሩን ኣብ ክፍሊ መጉዓዝያ ከተማ ቡፋሎ ዘገልገሉን ምዃኖም ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG