ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሶማል ታሪኻዊ ዝኾነ ሕጊ ምርጫ ኣጽዲቖም


ፕረዚደንት ሶማል መሃመድ ዓብዱላሂ መሃመድ(ፎርማጆ) ሶማልያዊያን ዜጋታት ኣብ ታሪክ’ታ ሃገር ንመጀመርያ ጊዜ ኣብ ምርጫ ፓርላማ’ታ ሃገር ድምጾም ክህቡ ዘክእል ሕጊ ምጽዳቖም ተገሊጹ።

ፕረዚደንት መሃመድ ነዚ ሕጊ ብዓርቢ ምጽዳቖም ዝተፈልጠ ክከውን ከሎ ኣቐዲሙ ቕድሚ ክልተ ሰሙን ፓርላማ’ታ ሃገር ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ድማ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ’ታ ሃገር ነቲ ሕጊ ምጽዳቖም ይዝከር።

ኣቐዲሙ ምርጫ ፓርላማ ዓበይቲ ዓዲ እተን ኣርባዕተ ዓበይቲ ዓሌታት’ታን ካብተን ነኣሽቱ ዓሌታት ወከልቲ ብምምራጽ ድምጾም ክህቡ ብምልኣኽ ከምዝካየድ ዝነበረ ይፍለጥ።

በዚ ሓድሽ ሕጊ መሰረት ዜጋታት ብቐጥታ ንዝመረጽዎ ፓርቲ ድምጾም ዝህቡ ክኮኑ ከለው ፓርቲታት ድማ ብዝረኽብዎ ድምጺ መንበር ፓርላማ ከምዝወሃበን ተፈሊጡ’ሎ።

አባላት ፓርላማ ድማ ንፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚንስትር’ታ ሃገር ይመርጹ። ቀዳማይ ሚንስትር ካብቲ ዝበዝሓ ድምጺ ዝረኸበ ፓርቲ ከምዝምረጽ እዚ ሓድሽ ሕጊ ይሕብር።

ይኹን ደአ እምበር ምርጫ ቕድሚ ምክያዱ ሶማል ክትፈትሖም ዝግባእ ዓበይቲ ጸገማት ሎጂስቲክ ኣለው። ገለ ክፋል’ታኣሃገር ኣብትሕቲ ምቁጽጻር ጥሩፍ ጉጅለ ኣልሸባር ይርከብ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲን ዞባዊ ምምሕዳር ዘሎ ዝምድና’ውን ሓርፋፍ’ዩ።

ይኹን ደአ እምበር ፕረዚደንት መሃመድ ብዛዕባ’ቲ ኣብ 2021 ኣብ ሶማል ዝካየድ ምርጫ ትሱፍው ምኳኖም ኣብ ምፍራም እዚ ሓድሽ ሕጊ ገሊጾም ኣለው።

“ንዜጋታትና፡ ንህዝቢ ሶማል ብፍላይ ድማ ነቲ ዝለዓለ ካብ ህዝብና ዝሓዙ ንመንእሰያትና ንምርጫኹም ዝኾነ ተወዳዳሪ ድምጺ ምሃብ ደጊም ኣብ ኢድኹም’እዩ” ድሕሪ ምባል ግን ኸአ ካብ ከፋፋሊ ፖለቲካን ዓሌታዊነትን ክርቑሑ መኺሮም።

ፕረዚደንት ፎርማጆ ወሲኾም “ንሃገርና ካብ ስሱዕ ጠቕሚ፡ደም ምፍሳስን ዕንወትን ንብረትን ኣውጺእና ናብ መንገዲ ዲሞክራሲ ንመርሓሉ ጎደና ኢና ዘለና” ኢሎም።

XS
SM
MD
LG