ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ኣስመራ አካይዱ


ፕረዚደንት ፌደራላዊት ዲሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ፡ ሎሚ 24 ሚያዝያ 2019 ናይ ሓደ መዓልቲ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ኣብ ኣስመራ ዛዚሙ ናብ ሃገሩ ተመሊሱ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዲላሂ ኣብ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝበጽሓሉ ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ሚንስትር ጉዳያት ወጻእ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕን ተቀቢሎሞ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂን ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ኣብ ቤተ-መንግስቲ ኣብ ዝገበርዎ ሓጺር ርክብ፡ኣብ ምድንፋዕ ክልተኣዊ ዝምድናታትን ሓባራዊ ዞባውን ኣህጉራውን ጉዳያት ዘትዮም።

ሚንስትር ትምህርቲ ሶማልን ካልኦት ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ናይ’ታ ሃገርን ምስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ሓቢሮም መጺኦም ነይሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG