ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣስመራ ኣትዮም


ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ንምፍጻም ሎሚ ቀዳም ሓምለ ፍርቂ መዓልቲ ኣስመራ ኣትዮም።

ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቅን ላዕለዎት ሰበስልጣን መንግስትንኤርትራ፤ ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ኣብ ዝኣተውሉ ኣቀባብላ ገይሮምሎም።

ርክብ ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልን
ርክብ ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልን

ፕረዚደንት ሶማል መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ብዕድመ ፕረዚደንት ኢሰያስ ናብ ኤርትራ ዝመጹ ክኾኑ እንከለው፤ ምስቶም ፕረዚደንት ሚኒስተራት ዜና ባህልን ቱሪዝምን፤ ሚኒስተር መጉዓዝያ፤ ሚኒስተር ህንጻን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ሶማል እውን ሓቢሮም ኣስመራ ከምዝኣተው ብተወሳኺ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ድሒሩ ብዝተረኽበ ሓበሬታ ክልቲኦም መራሕቲ ድሮ ርክብ ከምዘካየዱ ሚኒስተር ዜና ኤርትራ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል ገሊጹ።

ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላህ መሓመድ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን መዓልታት ንዝተፈላለየ ልምዓታዊ መደባት እናተዘዋወረ ከምዝዕዘብውን ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

XS
SM
MD
LG