ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ: ፕረ. ሶማሌ ክልል ነበር ካብ ማእሰርቲ ከምልጡ ምፍታኖም ተገሊጹ


ናይ ሶማሊያ ክልል ፕረዚደንት ነበር ኣቶ ኣብዲ መሓመድ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምምላጥ ፈቲኖም ከምዝነበሩ ፖሊስ ገሊፁ።ኣቶ ፈቃዱ ፀጋ ኣብ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ዳይረክቶረት ዳይረክተር ጉዳይ ዝተዋደዱ ገበናት ንድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ ካብ ዝሓለፈ ቆፀሮ ጀሚሩ ምስ ሓለውቶም ፀገም ይፈጥሩ ከምዝፀንሑ ገሊፆም።

“ዝተኣሰርሉ ክፍሊ ናይ ማዕጾ መስቲያት ምስባሮምን እዚ ምስ ፈተነ ምምላጥ ዝተሓሐዘ ካብ ዘርእዩዎ ባህሪ ኢና ተረዲኢና ዘለና።ናይቲ ማዕጾ መስቲያት ተሰባቢሩ፤ሓለውቶም ክኣትው ክነግሩዎም ከለው ምስኦም ንምትሕንናቕ ፈቲኖም እዮም ።”

ካብ 26 ሓምለ ክሳብ 30 ሓምለ 2010 ዓ.ም ኣብ ክልል ሶማሊያ ከተማ ጅግጂጋ ብዝተፈጥረ ህውከትን ዕግርግርን ኣብ ቁፅፅር ዝወዓሉ ኣቶ ኣብዲ ሎሚ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌደራል ኣብ ዝቐረብሉ እዋን ንድሕነቶም ክብሃል ኣብ ቤት ፅሕፈት ፖሊስ ተኣሲሮም ከምዝፀንሑ ተገሊፁ’ሎ።

ኣቶ ኣብዲ ግን ነቲ ክሲ ብምንፃግ ሽመይ ንምፅላምን ንዓይ ንምውቃዕን እዩ፤ኣብ ልዕለይ ዝለዓለ ተፅዕኖ ይገበር ኣሎ ክብሉ ጠሪዖም።ፖሊስ ንጥርዓኖም ነፂጉዎ’ሎ።ቤት ፍርዲ ን19 ጥቅምቲ ቆፀሮ ሂቡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG