ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር ብክሲ ዕልዋ መንግስቲ 1989 ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም


ካብ ስልጣኖም ዝተዓለው ናይ ሱዳን ፕረዚደንት ነበር ዑማር ኣልባሽር ምስ ካልኦት ሰበ ስልጣን ነበር፣ ሎሚ ሰሉስ ዝቀረቦም ክሲ፣ ኣብ 1989 ዓ.ም ዕልዋ መንግስቲ ፈጺሞም እዮም ኮረቻ ስልጣን ተቆጻጺሮም ብዝብል ክሲናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም።

መራሒ ሱዳን ዝነበሩ ዑማር ኣልባሽር ድሕሪ ሃገራዊ ተቃውሞ ካብ መዝነቶም ምስ ተአለዩ፣ ብብልሽውና ተኸሲሶም ክልተ ዓመት ማእሰርቲ ተበይንዎም ኣብ ትሕቲ ቐይዲ ይርከቡ ።

እንተኾነ 76 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣልባሽርን 16 ካልኦት ሱዳናዊያንን ብናይ 1989 ዓ.ም ዕልዋ መንግስቲ እውን ተኸሲሶም ኣለው።

እዚ ዳሕረዋይ መጋባእያ ይሳለጥ ዘሎ፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ሱዳን፣ ዓለምለኸ ተቀባልነት ንምርካብ ኢሉ ለውጢታት ኣብ ምትእትታው ኣብ ዝተጸመደሉ እዋን ከምዝኾነ’ውን ይሕብር።

ሱዳን ንዑማር አልባሽር ናብ ዓለም ለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ከርክብ እየ ኢላ ቃል ከምዝኣተወት ዝዝከር’ዩ። ንሶም በቲ ቅድሚ ኣስታት 17 ዓመታት ኣብ ዳርፉር ብዝተፈጸመ ‘ገበን ኩናትን ጅምላዊ ህልቂትን’ ተሓታቲ እዮም ከምዝባሃሉ ዝዝከር’ዩ።

ኣብ ዳርፉር ኣስታት 300 ሽሕ ሰባት ተቀቲሎም ሚልዮናት ድማ ተፈናቂሎምን ተሰዲዶምን እዮም።

XS
SM
MD
LG