ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል መንግስቶም በቲኖምዎ


ፕረዚደንት ሰኔጋል ማኪ ሳል ብዘይ ዝኾነ ይኹን መብርሂ ትማሊ ረቡዕ ንመንግስቶም በቲኖምዎ። ንሶም ኩሎም ሚንስትራትን ምኽትል ሚንስትራትን ሓዊሱ ሰበስልጣን ካብ ሓላፍነቶም ዘባርር ኣርባዕተ ኣዋጃት ከምዝፈረሙ ተሓቢሩ።

እቲ እወጃ ንብዙሓት ሃንደበት እዩ ኮይኑዎም።ማኪ ሳል ንካልኣይ ግዜ ምስተመረፁ ድሕሪ 18 ኣዋርሕ እዮም ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዱ።

ካብ ስልጣኖም ይልዓሉ ዘለው ሰበስልጣን ክሳብ ሓዱሽ መንግስቲ ዝጣየስ ስርሖም እናሰርሑ ክፀንሑ ካብ ቤት ፅሕፈቶም ዝወፀ መግለፂ ይሕብር።መዓዝ ሓዱሽ መንግስቲ ከምዘጣይሱ ግን ንፁር ኣይኮነን።

XS
SM
MD
LG