ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ቦበካር ከይታ፥ ብዝኣደሙ ወተሃደራት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዉ ስልጣኑ ኣረኪቡ። እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ምዕራባዊት ኣፍሪቃ ሃገር ንኣዋርሕ ፖለቲካዊ ነውጺ ክካየድ ድሕሪ ምጽንሑ`ዩ።
ወዲ 75 ዓመት ከይታ፥ ማስክ ተሸፊኑ ኣብ ተለቪዥን ብምቕራብ፥ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኢዱ ኣእትዩ ከውርደኒ ካብ ደለየ ካልእ ምርጫ የብለይን ስለዚ ምፍሳስ ደም ንምድሓን ስልጣነይ ይሓድግ ኣለኹ ኢሉ።
ወተሃደራት ንፕረዚደንት ከይታ ንምሓዝ ናብ ባማኮ ክምርሹ ከለዉ፡ ብዙሓት ብታሕጓስ ይቕበልዎም ክብል ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ኣብ ባማኮ ሓቢሩ።
ቅድሚ 12 ዓመት `ውን ወተሃደራት ንፕረዚድነት ነበር ኣማዱ ቶረ ድሕሪ ምዕላው፡ ኣብ ማሊ ጎንጻዊ እስላማዊ ናዕቢ ተላዒሉ ምንባሩ ይዝከር። ሕቡራት ሃገራት ቅዋማዊ ስርዓት ክኽበር ጸዊዑ`ሎ-ባይቶ ጸጥታ`ውን ብዛዕባ ኩነታት ማሊ ሎሚ ረቡዕ ክእከብ መደብ ኔርዎ።