ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ማሊ ነበር ኢብራሂም ከይታ ዓሪፎም፥ ልኡኽ ሕ/ሃ ኣብ ማሊ በረራታቱ ደው የብል


ናይ ማሊ ፕረዚደንት ነበር ኢብራሂም ቦዋባካር ከይታ
ናይ ማሊ ፕረዚደንት ነበር ኢብራሂም ቦዋባካር ከይታ

ካብ ስልጣኖም ዝተባረሩ ናይ ማሊ ፕረዚደንት ኢብራሂም ቦዋባካር ከይታ ኣብ መበል 76 ዓመቶም ዓሪፎም።ከይታ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብወታሃደራት ካብ ስልጣኖም ተባሪሮም።ኣብ 2013 ናብ ስልጣን ዝደየቡ ከይታ ኣብ 2018 ንካልእ ሓምሻይ ዓመት ስልጣን ዘመን ዳግም ተመሪፆም።

ንሶም ኣብ ስልጣን እናሃለው እስላማዊያን ናዕበኛታት ንጥንታዊት ከተማ ቲምቡክቱ ሓዊሱ ንሰፊሕ ግዝኣት እታ ሃገር ተቖጻጺሮም።ሞት እቶም ፕረዚደንት ዝተሰምዐኣብ መንጎ ማሊን ደንበ ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ \ኤኬዋስ\ ን ወጥሪ ኣብ ዝሓየለሉ ሕጂ እዋን'ዩ።

ብኻልእ ዜና ኣብ ማሊ ናይ ሕቡራት ሃገራት ልኡኽ ዓቃቢ ሰላም ደንበ ምዕራብ ኣፍሪቃን ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ንናይ ኣየርን ምድርን ጉዕዞ ጠጠው ዘበለ እገዳታት ድሕሪ ምንባሮም ናብታ ሃገር ዘካይዶም ኩሎም በረራታት ብግዚያዊነት ከምዘቋረፀ ኣፍሊጡ።

እቲ ልኡኽ ካብ ትማሊ ሰንበት ጀሚሩ በረራታቱ ከምዝቋረፀን ካብ መንግስቲ ፍቓድ ምስተውሃበ ግን ከምዝቕፅልን ኣፍሊጡ ኣሎ።

ቁጠባዊ ማሕበረሰብ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ \ኤካዋስ/ናብ ማሊ ናይ ኣየርን መሬትን ጉዕዞ ምቁራፁ ይዝከር።

ንጉዳይ ማሊ ክርኢ ኣብ ዝተጋብአ ናይ 11 ጥሪ ኣኼባ ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ምኽሪ ፀጥታ ኣኼባ ብኤካዋስ ዝተደገፈ እገዳታት ንምሕላፍ ተኣኪቡ ሩሲያን ቻይናን ነቲ እገዳ ስለዝተቓወምኦ ክሓልፍ ኣይክኣለን።

XS
SM
MD
LG