ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሉላ ቃለ-ማሕላ ፈጺሙ፣ ቦልሰናሮ ንኣመሪካ ገይሹ


ጸጋማዊ ፕረዚደንት ብራዚል ልዊዝ ኢናሺዮ ሲልቫ፡ ትማሊ ሰንበት ኣብ ቅድሚ ሚልዮናት ደገፍቱ ቃለ-ማሕላ ኣብ ዝፈጸመሉ፡ ምምሕዳሩ ነቲ ሱር ዝሰደዱ ብልሽውናን ድኽነትን እታ ሃገር ክቃለሶ ምዃኑ ቃል ኣትዩ። ፕረዚደንት ሉላ ኣቐዲሙ ክልተ እዋን ፕረዚደንት እታ ሃገር ኰይኑ ድሕሪ ምምራሕ፡ ብኽሲ ብልሽውና ተኣሲሩ ነይሩ’ዩ። ኣብ መወዳእታ ግን ናጻ ጸኒሑ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ነቲ ምርጫ ክነጽግ ዝጸንሐን ስልጣን ከም ዘይለቅቕን ኣብ መወዳእታ መደረኡ ዝሃበ ናይ ቅድም ፕረዚደንት ጃዬር ቦልሶናሮ፡ ዓርቢ፡ ክልተ መዓልታት ቅድሚ መመረቕታ ንኣመሪካ መጺኡ ኣሎ። ቦልሶናሮ ብምጥፋእ ክኽሰስ ከም ዝኽእል ፕረዚደንት ሉላ ኣብ መደረኡ ጠቒሱ ኣሎ። ብዛዕባ ምምላስ ቦልሶናሮን ክገጥሞ ዝኽእል ቀጥታዊ ሳዕቤንን ግን ዛጊት ዝተፈልጠ የሎን።

XS
SM
MD
LG