ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ሆንድራስ ነበር ሁዋን ኦርላንዶ ሀርናንደዝ፡ ብቤት ፍርዲ ኣመሪካ ብገበን ምስግጋር ሓሽሽ ክድለ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ፍርዱ ንምቕባል ናብ ኣመሪካ ክርከብ ምዃኑ ተፈሊጡ። ነዚ ንምግባር ድማ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምእታው ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ይሕብር።
ፕረዚደንት ነበር ሀርናንደዝ ዝእሰር ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ ተሳዒሩ ካብ መዝነቱ ካብ ዝወርድ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዝገበረሉ እዋን’ዩ። ስልጣን ፕረዚደንትነት ዝተረከበት ሽሞራ ካስትሮ በቲ ዝወስደቶ ስጕምቲ ብደገፍታ ናእዳ ረኺባ ኣላ።
ሀርናንደዝ ምስ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ብምስግጋር ኣጽዋርን ሓሽሽን ገበነኛ ኰይኑ ዝተረኽበ ሓዉ ብዝነበሮ ተራ’ዩ ክድለ ጸኒሑ።
ጠበቓ እቲ ፕረዚደንት ነበር ግን ድሕሪ ምእላይ ካብ መዝነቱ ኣባል ባይቶ ዞባዊ ምምሕዳር እታ ሃገር ስለ ዝዀነ ገና ንሳልሳይ ሃገር ዘይምርካብ ናይ ምክልኻል መሰል ከም ዘለዎ ይምጉት።