ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንትን ቀ/ሚን ሶማል ኣብ ጉዳይ ጸጥታ ምርጫ ይሰሓሓቡ


ኣብ ከባቢ ዓደን ዓደ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ሶማል
ኣብ ከባቢ ዓደን ዓደ ዓለምለኸ መዓርፎ ነፈርቲ ሶማል

ፕረዚደንትን ቀዳማይ ሚንስትርን ሶማል፣ ቅድሚ ፓርላሜንታዊ ምርጫ ምክያዱ ሎሚ ረቡዕ ብሰንኪ ዝፈጠርዎ ቅሉዕ ምስሕሓብ ኣብ ልዕሊ ጸጥታዊ ምቅርራባት፣ መስርሕ ምርጫ’ታ ሃገር እንደገና ክናዋሕ እዩ ዝብል ስክፍታ ኣበጊሱ ኣሎ።

ቀ/ሚ መሓመድ ሑሴን ሮብለ፣ እቲ ድምጺ ዝዋሃበሉ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝርከብ ኣዳራሽ፣ ብዓቃቢ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ሓለዋ ንክግበረሉ ኣዚዞም ኣለው።

ክልተ ሰዓት ደንጉዩ መግለጺ ዝሃበ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ መሓመድ ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ ድማ፡ "እቲ ኣዳራሽ፣ ብኣዛዚ ፖሊስ ሶማል ዝኾነ ጀነራል ዓብዲ ሓሰን ሒጃር’ዩ ሓለዋ ዝግበረሉ" ኢሉ`ሎ።

ትማሊ ሰሉስ ነቲ ድምጺ ዝዋሃበሉ ኣዳራሽ መን ሓለዋ ይግበረሉ ኣብ ልዕሊ ዝብል ብሰንኪ ዝተላዕለ ምስሕሓብ፣ ሳሓቦ ጉተቶን ተኹሲን ኣስዒቡ ነይሩ ።

XS
SM
MD
LG