ዋሽንግተን —
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮንን መቀናቕንቱ ርሑቕ የማናይቲ ክንፊ ማሪን ለ-ፐንን ሎሚ ሓሙስ ዛዛሚ ጐስጓስ ይገብሩ ኣለዉ። እቲ ምርጫ ሰንበት ዝካየድ ኰይኑ፡ ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዝገበሩዎ ብቴለቪዥን ብቐጥታ ዝተፈነወ ናይ ሰለስተ ሰዓታት ክትዕ ፍልልያቶም ጐሊሑ ተራእዩ።
ለ-ፐን፡ ማክሮን ኣብ መንግስቲ ዘርእዮ ዝሕተላ ክትነቅፍ እንከላ፡ ማክሮን ድማ ኣብ ታሪኻ ኣመልኪቱ ጸቒጡ ተዛሪቡ። ኣብቲ እዋን ክትዕ፡ ለ-ፐን ኣብ ህዝባዊ ቦታታት መዕመሚ መንዲል ደቀንስትዮ ኣመንቲ እስልምና ክትክልክል ምዃና ጠቒሳ። ከም ኣገላልጻ እታ ተወዳዳሪት እቲ እምነት እስልምና ዘገደዱዎ ተግባር ብምዃኑ ብምግላጽ ኣብ ፈረንሳ ቦታ ከም ዘይብሉ መጒታ። ማክሮን ድማ ከምኡ ምስ እትገብር ኣብ ፈረንሳ ኲናት ሓድሕድ ክትውልዕ ከም እትኽእል ኣጠንቂቑ።
ድሮ ወጺኡ ኣብ ዘሎ ዳህሳስ፡ ፕረዚደንት ማክሮን ኣብቲ ምርጫ ንኽዕወት ዝሓሸ ተኽእሎ ኣለዎ። ከም ሓበሬታ ህዝባዊ ዳህሳስ ድማ ናይ 10% ብልጫ ኣለዎ። ተንተንቲ ግን ሕጂ መሊእካ ብዛዕባ’ቲ ክኸውን ዝኽእል ውጽኢት ምዝራብ ከም ዘጸግም ይሕብሩ።