ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣንጎላ ሎሚ ይካየድ ኣሎ


ኣንጎላ ሎሚ ረቡዕ ነሓሰ 24,2022 ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተኻይድ አላ። ኣብ ዙርያ`ታ ሃገር ልዕሊ 26-ሽሕ ነቑጣታት ምርጫ ተኸፊተን ውዒለን ኣለዋ። ገዛኢ ፓርቲ`ታ ሃገር ንመጀመርያ ግዜ ካብ ተቓወምቲ ናይ ምዕዋት ብድሆ ገጢምዎ`ሎ።ንዝቕጽል ሓሙሽተ ዓመታት ነታ ሃገር ንምምራሕ ተቓወምቲ ሓዲሽ መንግስቲ ከቑሙ ዕድላት ከምዘሎ`ውን ይግለጽ ኣሎ።

ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ፡ ብውሕዱ 14 ሚልየን ኣንጎላውያን ንኸድምጹ ተመዝጊቦም ኣለዉ። ነቲ ዝጸንሐ ናይ ሓደ ሰልፊ ምምሕዳር ወይ ካብ ተቓወምቲ ሓዲሽ ፕረዚደንት ክመርጹ ተቐሪቦም ኣለዉ።

ተዓዝብቲ ድማ እቲ ውድድር ተቐራራቢ`ዩ ዘሎ ዝብል ርእይትኦም ይህቡ`ለዉ።

ኣብዚ ናይ ሕጂ ምርጫ ኣብ ወጻኢ ሃገራት ዝነብሩ ኣንጎላውያን`ውን ክመርጹ ዕድል ተዋሂብዎም ኣሎ።

እዚ ሃገራዊ ምርጫ ንሓሙሻይ ግዚኡ ዝካየድ ዘሎ`ኳ እንተኾነ፡ ኣንጎላ ኣብ 1975 ካብ ፖርቱጋል ናጽነታ ካብ ትረክብ ጀሚራ ብሓደ ፓርቲ ጥራሕ`ያ ክትምራሕ ጸኒሓ።

XS
SM
MD
LG