ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ማዳጋስካር ጽባሕ ክጅመር’ዩ


 ከተማ ማዳጋስካር
ከተማ ማዳጋስካር

ኣብ ማዳጋስካር ኣርባዕተ ፕረዚደንታት’ታ ሃገር ነበር ሓዊሱ ዝሳተፍሉ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፅባሕ ረቡዕ ክካየድ እዩ።እቲ ምርጫ ናብ ካልኣይ ዙር ከምዝሰግር ተንተንቲ ይገልጹ ኣለው።

ኣብ ምርጫ ማዳጋስካር ኣርባዕተ ፕረዚደንታት’ታ ሃገር ነበር ወሲኹ ብርክት ዝበሉ ፍሉጣት ኣሽማት ዝርከብዎም 36 ሕፁያት ቐሪቦም ኣለው።

ንኢንስቲቱት መጽናዕትታት ፀጥታ ትሰርሕ ሊየስሊ ሎዉ-ቫውድራን እዚ ንዝኾነ ይኹን ከደንቕ የብሉን ትብል።

“ኣብ ኣዚያ ድኻ ሃገር፣ኣዚዮም ውሑዳት ሊሂቃን ዘለዋ ሃገር ኩሎም ነቲ ፖለቲካ ክዕብልሉዎ ድልየት ዘርእይሉ ዘለው ኩነታት እዩ ዘሎ።ውዱብ ፖለቲካዊ ሃውህው የለን፣ዓብለልቲ ፖለቲካዊ ፓርትታት እውን የለውን።”

International Crisis Group ኣብ ዝተበሃለ ዓለምለኸ ትካል ዝስርሕ ፒየርስ ፒጎው ፕረዚደንት ማዳጋስካር ብዙሓት ዝምነዩዎ ስራሕ ኣይኮነን ይብል።ዝሓለፉ ኣስታት 20 ዓመታት ፖለቲካዊ ኩነታት ቀደም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፈረንሳይ ዝነበረት ማዳጋስካር ርጉእ ዝብሃል ኣይነበረን።እቲ ዝሓመቐ ዝብሃል እዋን ግን ኣብ 2009ንራቫሎ-ማናና ካብ ስልጣን ዝዓለየ ዕልዋ መንግስቲ እዩ።

እታ ሃገር ብብዝሒ ብናይ ቫኒላ ፍርያትን ብስሓብቲ ገማግም ባሕርታታን ትፍለጥ።ሕሱም ድኽነትን ሳይክሎን ተባሂሉ ዝፅዋዕ ኣዕናዊ ህቦብላን እውን ትፍለጥ።

ተሓለቕቲ መሰላት ግን እቲ ብድሆ ካብ ቁጠባ ዝዘለለ እዩ ይብሉ።ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብታ ሃገር ኣብ ቀረባ እዋን መግሃስቲ ሰብኣዊ መሰላት ምውሳኹ ምስናዱ ገሊፁ’ሎ።።

ፒጎው ግን እዚ ምርጫ ብዛዕባ ፖሊስታት እንተኾይኑ ጥርጣረ ኣለዎ።ኣብዛ ንእሸተይ ከተማ ውልቃዊ ውድድር ክርኣይ ዝውቱር እዩ ይብል።ከም መርኣያ ድማ እታ ዝዓበየት ሓንቲ ጉዳይ ቁጠባ ናይታ ሃገር ከምዝኾነ ከም መርትዖ ይገልፅ።

“ካብቶም ሕፁያት ዋላ ሓደ እውን ሓያል ናይ ቁጠባ ትልሚ ዝሓዘ ዘሎ ኣይመስልን።…ናይ ልምዓት ትልሚ ኣብ ጠረጴዛ ኣይንርእን ዘለና።ከምዝመስለኒ እቲ ዝዓበየ ብድሆ እዚ እዩ።”

ካብቶም ሕፁያት ሓደ ልዕሊ 50 ሚእታዊት ድምጺ እንተዘይረኺቦም ክልተ ዝለዓለ ድምፂ ዝረኸቡ ሕፁያት 19 ታሕሳስ ዳግም ምርጫ ክገብሩ እዮም።

XS
SM
MD
LG