ዋሽንግተን —
ጠበቓታት ፕረዚደንታዊ ሕፁይ ኬንያ ራይላ ኦዲንጋ ስዕረቶም ብምቅዋም ጥርዓን ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ'ታ ሃገር ምቕራቦም ገሊፆም።
ጠበቓ ዳን ማንዞ ሎሚ ሰኑይ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ እቲ ጥርዓን ብኦንላይን ኣቢሉ ንጠቕላሊ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረበን 77 ዓመት ዝዕድሚኦም ኦዲንጋ ቅዳሕ ናይቲ ጥርዓን ኣብ ቀረባ ከቕርቡ ትፅቢት ይግበር ኢሎም።እቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ውሽጢ 14 መዓልታት ውሳነ ክህብ ኣለዎ።
ነቲ ምርጫ ብላዕሊ ዝቆፃፀር ኣዚዩ ዝተኸፋፈለ ገለልተኛ ኮሚሽን ምርጫ ምኽትል ፕረዚደንት ዊሊያም ሩቶ ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ተዓዋታይ ምዃኑ ኣዊጁ'ዩ።
ብሓፈሻ ሰላማዊ ዝነበረ ምርጫ ኣብ መወዳእታ ደቓይቕ ተዓዋታይ ወግዓዊ ቅድሚ ምዃኑ መብዛሕቲኦም ኮሚሽነራት ምርጫ ነቲ ውጽኢት ኣይንድግፎን ምስ በሉ ግን ብዕግርግር ዝተዓጀበ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ቤት ፍርዲ ነቲ ውፅኢት እንተድኣ ኣፅዲቑዎ ሩቶ ድሕሪ ናጽነት ኬንያ ዝተመረጹ ሓምሻይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ክኾኑ እዮም።
ቤት ፍርዲ ነቲ ውፅኢት ውዱቕ እንተድኣ ገይሩዎ ኣብ ውሽጢ 60 መዓልታት ዳግማይ ምርጫ ክኻየድ'ዩ።