ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓኪስታን ዝበዝሓ ወታሃደራት ንሓለዋ ጸጥታ ዋንጫ ዓለም ትልእኽ


ሃገራውያን ጋንትታት ኩዕሶ እግሪ ፓኪስታን ናብ ዓለምለኸ ግጥማት ፈፂመን በቒዔን ዘይፈልጣ’ዃ እንተኾና ኣሽሓት ወታሃደራታ ግን ነቲ ኣብ ቀጠር ንዝተጀመረ ዓለምለኸ ግጥማት ፀጥታ ኣብ ምሕላው ተዋፊሮም’ለዉ።

እቲ ዓብይ ውድድር ትማሊ ሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ’ታ ዶሃ ተጀሚሩ’ሎ። ከተማ ቀጠር ኣብዚ ንወርሒ ዝፀንሕ ውድድር 1.2 ሚልዮን በፃሕቲ ክተተኣናግድ ትፅቢት ይግበር።

ቀጠር ነቲ ዓለማዊ ውድድር ፀጥታ ዝሕልዉ ወታሃደራት ካብ 13 ሃገራት ብወግዒ ዝመልመለት ክትኸውን እንከላ ዝበዝሑ ዝለኣኸት ፓኪስታን’ያ። ካልኦት ወታሃደራት ዝለኣኻ ሃገራት ኸኣ ብሪጣንያ:ፈረንሳ:ጀርመን:ጣልያን: ዮርዳኖስ: ኲዌት: ምምሕዳር ፍለጤማውያን: ፖላንድ: ስዑዲ ዓረብ: ስጳኛ ቱርኪን ኣወሽመጥመሪካን’የን።

እቲ ሓይሊ ፓኪስታን ልዕሊ ፬፡ሽሕ ኾይኑ ኹሉ ብርኪ ወታሃደራዊ ሓይሊ ዝሓቆፈ’ዩ።

XS
SM
MD
LG