ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓኪስታን፤ ኣብ ሓደ መስጊድ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ 47 ኣመንቲ ሞይቶም


ሎሚ ሰኑይ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ፓኪስታን ኣብ ሓደ መስጊድ ብዝተተኰሰ ብርቱዕ ነታጒ 47 ኣመንቲ ክሞቱ እንከለዉ ተወሰኽቲ 140 ድማ በቲ ሓደጋ ቆሲሎም ኣለዉ።

እቲ ኣብ ከተማ ባሻዋር ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ብሓደ ነፍሰ-ቅትለታዊ ስጕምቲ ዝወሰደ ምፍጻሙ እቲ ዝበጽሓና ዜና ወሲኹ ይሕብር።

ሰብ-መዚ እታ ከተማን ማእከላት ሕክምናን ኣብ ኣዝዩ ተኣፋፊ ኩነታት ዘለዉ ህሩማት ይቕበሉ ምህላዎም ገሊጾም።

ሓያሎ ካብቶም ግዳያት እቲ መጥቃዕቲ ኣባላት ፖሊስ እቲ ከባቢ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ።

ንኹነታትን መበገሲን እቲ መጥቃዕቲ የጽንዑ ምህላዎም ዝሓበሩ ፖሊስ፡ ድርኺት እቲ መጥቃዕቲ እንታይ ምዃኑ የጽንዑ ምህላዎም ገሊጾም።

ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ዝወሰደ ኣካል ዛጊት የሎን።

ቀዳማይ ሚኒስተር ፓኪስታን ሻህባዝ ሸሪፍን ናይ ቅድም ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኢምራን ካህንን ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒኖሞ ኣለዉ።

ምስ ኣፍጋኒስታን ኣብ ዘወሳን ከተማታት ፓኪስታን፡ መጥቃዕቲ ግብረ-ሽበራ ዝውቱር እናዀነ ይመጽእ ምህላዉ መዛግብቲ ይጠቕሱ። መብዛሕትኦም ካብቶም መጥቃዕቲታት ካብ ፓኪስታን ዝተኸልኸለ “ናይ ፓኪስታን-ጣሊባን” ዝብል መጸውዑ ዘለዎ ጕጅለ’ዩ።

XS
SM
MD
LG