ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርቲ ዓረና ኣብ ጉዳይ ምምስራት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ


ፓርቲ ዓረና ኣብ ጉዳይ ምምስራት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:27 0:00

ፓርቲ ዓረና ኣብ ጉዳይ ምምስራት ግዜያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ

ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ስዒቡ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ግዜያዊ ምምሕዳር ንምቛም፡ ብሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ እትምራሕ ኮሚተ ቆይማ ትማሊ ረቡዕ ዋዕላ ጀሚራ ኣላ። ኣብቲ ሎሚ ዝዛዘም ዋዕላ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ዝነጥፋ ሰለስተ ውድባት ግን ነዚ ብምቅዋም ካብ ምስታፍ ክቝጠቡ እንከለዉ፡ ዓሲምባ ግን ኣካል’ቲ ዋዕላ ምዃና ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ።

ዓረና ንስልጣን እቲ ኮሚተ ብምንጻግ ኣብቲ ከይዲ ከምዘይሳተፍ ኣፍሊጡ ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይ መብርሂ ንኽህበና ንሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ፓርቲ ኣቶ ዓምዶም ገብረስላሴ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።

እቲ ብሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝምራሕ ኮሚተ ኣብ መኽፈቲ እቲ ዋዕላን ካልእ ኣጋጣሚታትን ከም ዝጠቐሶ፡ ኣብቲ ዝካየድ ዘሎ ከይዲ ምምስራት ግዜያዊ ምምሕዳር፡ ኣብ ትግራይ እጀታ ዘለዎም በበይኖም ኣካላት ከም ዝተዓደሙ ሓቢሩ’ዩ። ኣብቲ ከይዲ ካብ ምሁራን፡ ኣብ ትግራይ ዝነጥፋ ፖለቲካውያን ውድባት፡ ሰራዊት ትግራይን ምዕዳሞም ኣመልኪቱ ነይሩ።

XS
SM
MD
LG