ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርቲ ሕውነት ኢጣልያ ኣብ ፓርላመንታዊ ምርጫ'ታ ሃገር ዓብላሊ ድምጺ ይረኽብ ምህላው ተፈሊጡ


ጆርጃ መሎኒ
ጆርጃ መሎኒ

ኣብ ኢጣልያ ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ፓርላመንታዊ ምርጫ ጥመረት ሰለስተ የማናይ ክንፊ ፓርትታት ብዓብላልነት ከምዝተዓወተ ተፈሊጡ።

ድምፂ ሂቦም ይወፁ ካብ ዝነበሩ መረፅቲ ብመሰረት ዝተኣከበ ርእይቶ ፓርቲ ሕውነት ኢጣልያ ክልቲኡ ኣብያተ ምኽሪ ፓርላማ ክቆፃፀር ዘኽእሎ ልዕሊ 40% ድምፂ ረኺቡ ኣሎ።

ፓርቲ ሕውነት ጣሊያን 45 ዓመት ብዝዕድሚአን ጆርጃ መሎኒ ዝምራሕ ወድብ እዩ።እቲ ወፅኢት እንተድኣ ተረጋጊፁ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚንስትር'ታ ሃገር ክኾና እያ።

መቦቀል ሱር ናይቲ ፓርቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ኵናት ዓለም ዝነበረ ፋሽሽት ወልቀ መላኺ በኒቶ ሙሶሎኒ እዩ።መሎኒ ሎሚ ሰኑይ ንደገፍታ መደረ ኣብ ዘስምዐትሉ እዋን ልዝብ ዝበለ ድምጺ ኣስሚዓ ኣላ።

"ነታ ሃገር ክንመርሕ ክሳብ ዝተመረፅና ናይ ኩሎም መራሕቲ ክንኸውን ኣለና’’ ዝበለት መሎኒ "ንናይዛ ሃገር ህዝቢ ሓድነት ዓሊምና ንኩሎም ኢጣልያዊያን ክንሰርሕ ኣለና’’ ክትብል ንደገፍታ ተዛሪባ።

ብመሎኒ ዝምራሕ የማናይ ክንፊን ብማእኸላይ የማናይ ክንፊን ዝተሓገዘ ናይ ፓርቲታት ጥምረት ዝምራሕ ገዛኢ ፓርቲ ንምምስራት ሰሙናት ክወስድ ይኽእል።

ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ዝፈረሰ ብቀዳማይ ሚንስተር ማሪዮ ድራጊ ዝምራሕ መንግስቲ ናይ ሓላዊ ተራ ኣብ ምፅዋት ይርከብ።

XS
SM
MD
LG