ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ እስራኤል ዳግማይ ምርጫ ክካየድን ‘ቲ ፓርላማ ክብተንን ወሲኑ


ፓርላማ እስራኤል ሎሚ ሓሙስ ብዝሃቦ ድምፂ ‘ቲ ፓርላማ ክብተን ወሲኑ።ቀዳማይ ሚንስትር ቤንጃሚን ኔታንያሁ ሓድሽ ናይ ጥምረት መንግስቲ ክምስርቱ ብዘይምኽኣሎም ቅድሚ ሎሚ ልሙድ ብዘይኮነ ኩነታት ካልኣይ ምርጫ ክካየድ እዩ።

ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ 74 ን45 ብዝኾነ ድምፂ 17 መስከረም ሓዱሽ ምርጫ ንምክያድ ወሲኑ’ሎ።

ቀ/ሚ ኔታንያሁ ኣብ ዝሓለፈ 9 ሚያዚያ ዝተኻየደ ምርጫ ምስተዓወቱ ሓድሽ መንግስቲ ክምስርቱ ትማሊ ረቡዕ ናይ መወዳእታ ዕለት ነይሩ።ኣብ መንጎ ፓርቲታት ክካየድ ዝፀንሐ ልዝብ ብዘይምዕዋቱ’ዩ እቲ ፓርላማ ክብተን ሎሚ ምውሳኑ ተፈሊጡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG