ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ኢንዶነዥያ ካብ መርዓ ወጻኢ ጾታዊ ርክብ ብማእሰርቲ ከቕጽዕ ወሲኑ


ፓርላማ ኢንዶኖዥያ- ፋይል
ፓርላማ ኢንዶኖዥያ- ፋይል

ፓርላማ ኢንዶነዥያ ካብ መርዓ ወጻኢ ጾታዊ ርክብ ንዝፈጸሙ መጻምድቲ ክሳብ ናይ ሓደ ዓመት ማእሰርቲ ከፍርዶም ዝኽእል ሕጊ ሎሚ ሰሉስ ኣጽዲቑ።

እዚ ጸዲቑ ዘሎ ሕጊ ንደቂ ሃገርን በጻሕቲን ብማዕረ ዝምልከት’ዩ። እቲ ሕጊ ንዘይተመርዓዉ መጻምድቲ ብሓደ ከይነብሩ’ውን ዝኽልክል'ውን እዩ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ከም ዘስፈሮ፡ ዘድሊ ትሕተ-ቅርጺ ክሳብ ዝጻፈፍ፡ እቲ ሕጊ ተግባራዊ ንምዃን ሰለስተ ዓመታት ክወስድ ይኽእል’ዩ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ኢንዶነዥያ ዝሙት ብማእሰርቲ የቕጽዕ’ዩ። ዛጊት ግን ቅድሚ-መርዓ ዝግበር ጾታዊ ርክብ ገበን ኣይጸንሐን።

ሓገግቲ ኣካላት፡ ነቲ ዝደጸቐ ሕጊ፡ ክብሪ ስድራ ንምምላስን ሞራላዊ ሕብረተሰብ ንምህናጽንን ዓቢ ስጕምቲ ክብሉዎ እንከለዉ፡ ጋዜጣታት እታ ሃገርን ካልኦት ናጻ ወገናትን ግን “ሞት ደሞክራሲን መሰል ሰብን” ኢሎም ጸዊዖሞ ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG