ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ኢትዮጵያ ንኮሚሽናት ዕርቀሰላምን ወሰንን መንነትን አጽዲቑ


ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ ብቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ዝቀረበሉ ንኣባላት ኮሚሽን ዕርቀ-ሰላምን ኮሚሽን ወሰን ምምሕዳርን መንነትን ኣጽዲቕዎ። እቲ ቤት ምኽሪ ንምቛም እቶም ኮሚሽናት ብብዝሒ ድምጺ ተቐቢልዎ ኣሎ፣ እንተኾነ ወከልቲ ኣባላት ቤት ምኽሪ ትግራይ ንምስረታ ክልቲኦም ኮሚሽናት ተቓዊሞምዎ ኣለው። ኣብ ኮሚሽን ወሰን ምምሕዳርን ጉዳይ መንነትን ተጸንቢሮም ዝነበሩ ዶ/ር ኣሰፋ ፍስሃ ዳሃር ካብ’ቲ ዝርዝር ኣባላት ኮሚሽን ከምዝወጸ’ውን ተገሊጹ ኣሎ።

እቶም ዝተሾሙ ኣባላት ኮሚሽን ብፕረዚደንት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኢትዮጵያ ወ/ሮ መዓዛ ኣሸናፊ ኣቢሎም’ዮም ንቃለ መሓላ ፈጺሞም።

ኣብ’ታ ሃገር ንዝለዓሉ ጉዳያት መንነትን ወሰንን ንሓንሳብን ንሓዋሩን ንምድቃስ ኮሚሽን ንክምስረቱ ዝገበሩ ቀ/ሚ ሎሚ ድማ ንኣባላት ኮሚሽን ናብ’ቲ ፓርላማ ሊኢኾም’ዮም።

ኣብ’ቲ ኮሚሽን ኣስማቶም ተሓቁፉ ዝቀረቡ 41 ሰባት’ዮም። ፕረዚደንታት ነበር፡ ሰበ ስልጣን፡ ፖለቲከኛታት፡መማህራን ዩኒቨርስቲታትን፣ ፍሉጣት ውልቀ-ሰባትን ይርከቦም።

ንኮሚሽን ዕርቀ-ሰላም ዝተመዘዙ ድማ 42 ኣባላት’ዮም። ምሁራት፣ ሃይማኖታዊ ኣቦታት፣ ዓበይቲ ዓዲን ውሩያት ውልቀ ሰባትን ኣብ’ቲ ኮሚሽን ኣትዮም ኣለው።

ኣቶ ጫላ ለሚ ኣብ’ቲ ፓርላማ ተሓጋጋዛይ ተወካላይ መንግስቲ ነቲ ፓርላማ ክዛረቡ ከለው ኣባላት ኮሚሽን ዝተፈላለዩ ምኳኖም ገሊጾም።

“ምሁራትን ውሩያት ውልቀ-ሰባት፣ ከምኡውን ፖለቲከኛታት ሓዊስካ፣ ንክሕወስዎም ጻዕሪ ተገይሩ ኣሎ። ዝተፈላለየ ደረጃ ትምህርቲ ዘለዎም ንክሕወሱ’ውን ጻዕሪ ተገይሩ’ዩ።”

መብዛሕተኦም ኣባላት ፓርላማ ንምቛም’ቶም ኮሚሽናትን ኣባላቶምን ደጊፎም ርእይቶም ሂቦም ኣለው። ካብ ፈለማ ኣትሒዙ ይቃወሙ ዝጸንሑ ተመረጽቲ ወከልቲ ትግራይ ግና ሎሚ’ውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ኣንጸባሪቖም ኣለው። ሓደ ካብኣቶም ኣባል ፓርላማ ኣቶ ኣሰፋ ጉግሳ ንኣብነት ‘መን ምስ መን ንከተዓርቕ’ዩ ኮሚሽን ዘድልየና?’ ዝብል ተቓዋሚ ርእይቶ ኣቃሊሖም ኣለው።

“ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን ኣብ መንጉኡ ጽልኢ የብሉን። ህዝቢ ዓለምውን እንተኾነ። ስለዚ ገዛእቲ ሸምገልቲ ዝኾንሉ፣ ዘይተጻለአ ውጹዕ ህዝቢ ተዓረቕ ዝባሃለሉ ከመዮ ዝበሃል ‘ዘበንያ ግርምቢጥስ ማይ ንዓቀብ ኮይኑና ኣሎ።”

ኣስዒቦም ኣቶ ኣበበ ከፈኔ ካብ ኦሮምያ መልሲ ንወካሊ ትግራይ ከም’ዚ ክብሉ ሂቦም ኣለው።

“ከም ሓቂ እንተኾይኑ ንዕርቂ ዝጸልእ ከምሃይማኖትና እንተኾይኑ ሰይጣን ጥራሕ’ዩ። ዕርቂ ሰላም የምጽእ። ነባሪ ሰላም የረጋግጽ። ሎሚ ናይ ይቕረታን ምሕረትን ዕለት’ያ እናበልና፣ እዚ ድማ ሱር ንክሰድድን ዝላዓለ ኣበርክቶ ዝህልዎን’ዩ። ኣባላት’ዛ ኮሚሽን ድማ ንዝላዓለ መዐቀኒ ዘማልኡ’ዮም።”

ኣቶ ጫላ ለሚ ወሲኾም “ምቛም’ቶም ኮሚሽናት ክላዓል ዝነበሮ ሎሚ ዘይኮነስ እቲ ቀዳማይ ውሳነ ክሓልፍ ከሎ’ዩ” ኢሎም።

ሹመት ኮሚሽን ወሰንን መንነትን ብ22 ተቃውሞን 4 ድምጸ ተዓቅቦን ብብዝሒሓ ድምጺ፣ ኮሚሽን ዕርቀ ሰላም ድማ ብ16 ድምጸ ተቃውሞን 8 ድምጸ ተዓቅቦ እዚ’ውን ብብዝሒ ድምጺ ሓሊፉ’ሎ።

እዚ ከም’ዚ’ሉ ከሎ፣ ካብ ሞንጎ’ቶም 41 ንኣባላት ኮሚሽን ወሰን ምምሕዳርን መንነትን ተሓጽዮም ዝነበሩ ሓደ ዶ/ር ኣሰፋ ፍስሃ ኣብ ቅድሚ ኣባላት ፓርላማ ቀሪቦም ቃለ መሓላ ከምዘይፈጸሙ ዝረኸብናዮ ዜና ሓቢሩ።

ስሞም ክዕቀበሎም ዝመረጹ ምንጭታት ድምጺ ኣሜሪካ "ዶ/ር ኣሰፋ ፍስሃ ካብ’ቲ ዝርዝር ዝወጹ ኣቐዲሙ ዘዘራረቦም መንግስታዊ ኣካል ከምዘይነበረ ኣዘኻኺሮም ብምኽንያት ናብ ዝምልከቶ ኣካል ዘቕረብዎ ስምዕታ'ዩ" ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ፓርላማ ኢትዮጵያ ንኮሚሽናት ዕርቀሰላምን ወሰንን መንነትን አጽዲቑ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:14 0:00

XS
SM
MD
LG