ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ኢትዮጵያ ህውሓትን 'ሸኔ' ኢሉ ዝጸውዖ ጉጅለ ብግብረሽበራዊያን ክምደቡ ወሲኑ


ፓርላማ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ \ህወሓት\ን "ሸኔ’’ ኢሉ ዝፀውዖ ጉጅለን ንተግባር ግብረ ሽበራ ዝተውሃበ ትርጉም ኣማሊኦም ብምርካቦም ብግብረ ሽበራዊያን ክምደቡ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ዘቕረቦ ናይ ውሳነ ሓሳብ ኣፅዲቑ።

ህወሓትን 'ሸኔ'ን ፈፂሞምዎ ዝተባህሉ ተግባራት ነቲ ትርጉም ምሉእ ብምሉእ የማልኡ እዮም ክብሉ ናይ መንግስቲ ሓጋዚ ተፀዋዒ ምክትል ሚኒስትር ኣምባሳደር መስፍን ቸርነት መብርሂ ምሃቦም እቲ ናይ ፓርላማ መገልፂ ሓቢሩ ኣሎ።

ህወሓት ኣብ 2011 ዓ\ም ናይ "ትግራይ ማእኸላይ ወታሃደራዊ ኮማንድ" ክብል ሕጋዊ ዘይኮነ ዝተዓጠቐ ሓይሊ ክውደብ ብኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ምውሳኑ እውን እቶም ምክትል ሚኒስትር ምጥቓሶም ገሊፁ ኣሎ።

ኣብ ዝቐረበ ናይ ውሳነ ሓሳብ ዝዘተየ ፓርላማ ነቲ ውሳነ ምሕላፉ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኣቶ ታገሰ ጫፎ ኣረጋጊፆም።

ኣብ ውሳነ እቲ ፓርላማ 'ሸኔ' ኢሉ ዝፀውዐ ጉጅለ መንነትን ኣድራሻን ብዝርዝር ስለዘይተገለፀ ርእይቶታት ንምሕዋስ ኣይተኽኣለን።ህወሓት እውን እዚ ፀብፃብ ክሳብ ዝቐረበ ብዛዕባ እዚ ዝሃቦ ምላሽ የለን::

XS
SM
MD
LG