ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ቱርኪ ወታሃደራት’ታ ሃገር ናብ ሊብያ ክለአኹ ዘኽእል ሕጊ ኣጽዲቑ


ፓርላማ ቱርኪ ኣብ ትሪፖሊ ዘሎ ዓለምለኸ ተቐባልነት ዘለዎ መንግስቲ ብምሕጋዝ ወታደራት’ታ ሃገር ናብ ሊቢያ ንምልኣኽ ዘኽእል ሕጊ ኣፅዲቑ።

ፓርላማ ነቲ ሕጊ 315 ብ 184 ዝኾነ ድምፂ ትማሊ ሓሙስ ኣፅዲቑዎ’ሎ።ብቀዳማይ ሚንስትር ፋይዝ ኣል-ሲራጅ ዝምራሕ መንግስቲ ሊብያ ብጀነራል ኻሊፍ ሓፍጣር ካብ ዝምራሕ ሓይልታት ይከላኸሉ ኣብ ዘለውሉ ሕጂ እዋን ንናይ ቱርኪ ፕረዚደንት ረሲፕ ታይፕ ኤርዶጋን ሓገዝ ሓቲቱ’ሎ።

ናይ ኣሜሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ወታደራት ከይልእኹ ምዒዶምዎም ኣለው።

XS
SM
MD
LG