ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓርላማ ሽወደን ንፈለማ እዋን ጓል-ኣንስተይቲ ቀዳመይቲ ሚኒስተር መሪጹ


ማግደለና ኣንደርሰ
ማግደለና ኣንደርሰ

ፓርላማ ሽወደን ንማግደለና ኣንደርሰን ቀዳመይቲ ሚኒስተር እታ ሃገር ክትከውን ብረቡዕ ምምራጹ ኣሶሴይትድ ፕረስ ሓቢሩ። ካብ ስልፊ ማሕበራዊ ደሞክራት ዝዀና ኣንደርሰን፡ ኣቐዲመን ሚኒስተር ፋይናንስ ኰይነን ዝሰርሓ ኮይነን፡ ንቦታ ስቴፋን ሎቪያን ብምትካእ’የን ነቲ መዝነት ተረኪበን።

ሽወደን ካብ ሃገራት ኤውሮጳ ብገስጋሲ ኣረኣእያኣን ኣብ ልዕሊ ደቀኣንስትዮ እተርእዮ ተዛማዲ ኣብነታዊ ኣተሓሕዛን እትለል ደኣ ትዅን እምበር፡ ዛጊት ግን ኣንስትዮ ነዚ ዝመስል ቍልፊ ፖለቲካዊ መዝነት ኣይሓዛን ጸኒሐን።

ንነብሱ ከም ተጣባቒ መሰላት ኣንስትዮ ምዃኑ ዝምጕት ምምሕዳር ሎቪያን፡ ኣንስትዮ ኣብ ሃገራዊን ዓለማዊን ጉዳያት ማዕረ መሰል ክህልወን ዝጣበቕ’ዩ።

ኣብ ፓርላማ መደረ ዘስምዐትን ንኣንደርሰን እትድግፍን፡ ኣሚነህ ካካብቫህ፡ “ደቀንስትዮ ድምጺ ክህባ እምበር ንፖለቲካዊ መዝነት ክሕዛ ዕድል ምስ ዘይህሉ ደሞክራሲ ፍጹም ኣይኰነን፡” ክትብል ገሊጻ።

XS
SM
MD
LG