ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፓራጓይ ኣብ ከተማ እየሩሳሌም ኤምባሲ ከፊታ


ፓራጓይ ሓድሽ ኤምባሲ ኣብ ከተማ እየሩሳሌም ሎሚ ሶኑይ ከፊታ።እዚ ዓብዪ ፖለቲካዊ ተዃሳሓይነት ዘለዎ ስጉምቲ ዝወሰደት ሳልሰይቲ ሃገር ኮይና’ላ።

ናይ ፓራጓይ ፕረዚደንት ሆራርሺዮ ካርተስ ኣብ መንጎ ፓራጓይን እስራኤልን ዘሎ ርክብ ዘሕይል እዩ ኢሎም።ቀዳማይ ሚንስትር እስራኤል ቤንጃሚን ኔታንያሁ ንውሳነ ፓራጓይ ንኢዶም ኣለው።

ኣሜሪካ ኤምባሲኣ ካብ ቴል ኣቪቭ ናብ እየሩሳሌም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ኣዛወረት ጓቲማላ እውን ድሕሪ ክልተ መዓልታት ኣሰራ ስዒባ’ያ።

ፍልስጤማዊን ነቲ ለውጢ ብትሪ ተቓዊሞምዎ ኣለው።

XS
SM
MD
LG