ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍርዳዊ መስርሕ ጥርጡር ሱዳናዊ ዓሊ ኩሳይብ ኣብ ዘ ሄግ ጀሚሩ


 ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ሱዳናዊ ዓሊ ዓብደልራሕማን ወይ ድማ ዓሊ ኩሳይብ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዓለምለኸ መጋብኣያ ገበን ዘ-ሄግ
ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ሱዳናዊ ዓሊ ዓብደልራሕማን ወይ ድማ ዓሊ ኩሳይብ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዓለምለኸ መጋብኣያ ገበን ዘ-ሄግ

ኣብ 2003/2004 ኣብ ዳርፎር ሱዳን ተፈጺሙ ብዛዕባ ዝተባህለ ገበናት ኲናትን ምጥፋእ ዓሌትን ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝርከብ ሱዳናዊ ዓሊ ዓብደልራሕማን ወይ ድማ ዓሊ ኩሳይብ ሎሚ ሰሉስ ኣብ ዓለምለኸ መጋብኣያ ገበን ዘ-ሄግ ጀሚሩ።

ክሱስ ነቲ ምስ ምጥፋእ ዘርኢን ገበናት ኲናት ኣመልኪቱ ዝቐረበሉ 31 ክስታት ነጺጉዎ ኣሎ።

እቲ መስርሕ ንዝመጽእ መዓልታት ክቕጽል ትጽቢት ይግበር። ዓሊ ኩሳይብን ካልኦት ኣርባዕተን ብዓሰርተታት ገበናት ዝሕተቱ ኰይኖም፡ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ሓሰን ኣል-በሺር’ውን ብተመሳሳሊ ገበናት በቲ ቤት ፍርዲ ዝድለ’ዩ።

ካብ 2007 ኣትሒዙ በቲ መጋብኣያ ክደለ ዝጸንሐ ዓሊ ኩሳይብ፡ ኣብ 2020 ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘ-ሄግ’ዩ ጸኒሑ። ንሱ መራሒ’ቲ ብጃንጃዊድ ዝፍለጥ ዕጡቕ ጕጅለ ዝነበረ ክኸውን እንከሎ፡ ብቐንዱ በቲ ንሱ ዝእዝዞ ዝነበረ ሚሊሻ ጃንጃዊድን ካልእን ኣስታት 300-ሽሕ ሰቪላውያን ህዝቢ ክቕተሉ እንከለዉ፡ ኣስታት 2.7 ሚልዮን ዜጋታት ድማ ካብ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም።

XS
SM
MD
LG