ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍርቂ ካብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ኣብ ስእነት መግቢ ከምዝወደቐ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዘውጽኦ ጸብጻብ የመልክት


ብሰንኪ`ቲ ንዳርጋ ክልተ ዓመታት ዝተኻየደ ግጭት፡ ዳርጋ ፍርቂ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ስእነት መግቢ ከምዝወደቐ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣፍሊጡ። ትካላት ረድኤት ድማ ብሰንኪ ዘጋጥመን ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ናብ ገጠራት ክበጽሓ ይጽገማ ከም ዘለዋ እቲ ትካል ይገልጽ።

ሽሕ`ኳ ድሕሪ ፈደራል መንግስቲ ዝወሰዶ በይናዊ ምቁራጽ ተኹሲ፡ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ከኣቱ እንተጀመረ፡ ቁጽሪ እኹል መግቢ ዘይረኽቡ ግን ሰማይ ከም ዝዓረገን እናኸፋአ ክኸይድ ትጽቢት ከምዝግበርን ሕቡራት ሃገራት ዝሃቦ ገምጋም የመልክት።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ክልል ትግራይ ድሕሪ ምውጽኡ፡ እታ 5.5 ሚልዮን ህዝቢ ኣለዋ ትብሃል ክልል ብዘይ ስርዓት ባንክታትን መራኸቢታትን ከምዝተረፈትን ሰባት መግቢ ንምግዛእ ከምዝተጸገሙን ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይገልጽ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ መግለጺኡ፡ ጥምየት እናኸፍአ፡ እኹል መግቢ ዘይምርካብ እናነሃረ፡ እቲ ኩነታት ድማ ክሳብ እዋን ዓጺድ ወርሒ ጥቅምቲ እናኸፍአ ክኸይድ`ዩ ይብል።

ፍርቂ ነብሰ ጾራት ኮና ዘጥብዋ፡ ብትሑት ምግብና ዝሳቐያ ምዃነን ከምኡ`ውን ሓደ ሲሶ ትሕቲ 5-ዓመት ህጻናት ናብ ሞት ኣብ ዘብጽሕ ምምሳን ከምዝርከቡ እቲ ሪፖርት የመልክት።

ብኻልእ ወገን፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ብዛዕባ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣተወ ነዳዲ ክጠቅስ ከሎ፡ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ፡ 1,750,000 ሊትሮ ነዳዲ ከም ዝኣተወ፡ እዚ ግን ካብ ዘድሊ ትሕቲ 20 ሚእታዊት ምዃኑ ኣፍሊጡ`ሎ።

ኣብቲ ጎረቤት ዝኾነ በቲ ኩናት ዝተሃስየ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን`ውን፡ ኣስታት 13 ሚልየን ሰባት ሓገዝ መግቢ ከምዘድልዮም፡ እቲ ቁጽሪ ድማ ካብ ዝሓለፈ ጥሪ ጀሚሩ ብ44 ሚእታዊት ከምዝወሰኸ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብቲ ጸብጻቡ ኣመልኪቱ`ሎ።

ነዚ ጸብጻብ ዘወሃሃደ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ብዛዕባ ኩነታት ምብጻሕ ረድኤት ካብ ሚንስተር ኮሚንኬሽን ኢትዮጵያ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ርእይቶ ንምርካብ ፈቲኑ ከምዘይተዓወተ ጠቒሱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG