ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍርቂ ሰዓት ድሕሪ ምሕራሳ ሃገራዊ ፈተና ዝተፈተነት ኣደ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኢሉ አባቡራ ነባሪት ከተማ መቱ ዝኾነ ጓል 21 ዓመት ኣልማዝ ደረስ ብቕድሚ ትማሊ ኣብ ዝነበረ ናይ ዓስራይ ክፍሊ ሃገራዊ መዛዘሚ ፈተና ክትወስድ ክልተ ስዓታት ምስ ተረፋ ብሕማም ሕርሲ ተታሒዛ ሆስፒታል ኣትያ:ወዲ ድማ ተገላጊላ።

ኣልማዝ ብስዓት ኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ናብ ሶኑይ ዘውግሐ ንጉሆ ስዓት 11 ሕማም ሕርሲ ሒዝዋ መቱ ከተማ ናብ ዝርከብ ካርል ሆስፒታል ኣትያ ፈተና ክካየድ 30 ደቓይቕ ምስተረፎ ንጉሆ ሶኑይ ስዓት ክልተ ከምዝወለደት ትዛረብ።

ኣልማዝ ኣብ ሕርሲ ኮይነ ብዛዕባ ፈተና ይሓስብ ስለዝነበርኩ ሕማም ሕርሲ ከመይ ከምዝነበረ እውን ብዙሕ ኣይተሰመዐንን ትብል ።

“ብዛዕባ ፈተና እሓስብ ስለዝነበርኩ ጨኒቑኒ ነይሩ።ፈተና ከምልጠኒ እዩ ኢለ ተስፋ ኣብ ዝቖረፅኩሉ እዋን ፈተና ምውሳድ ትኽእሊ ኢኺ ኢሎምኒ፤ኣዚዩ ደስ ኢሉኒ።ስዓት ክልተ ወሊደ ስዓት 2፡30 ተፈቲነ።”

በዓል ቤት ኣልማዝ ብመሰረት ዘቕርቦ ሕቶ ሓለፍቲ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ ናይቲ ከባቢ ፈተና ክትፍተን ኩነታት ከምዘመዓራረዩላ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ካብ አዲስ አበባ ሓቢራ።

XS
SM
MD
LG