ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ፍልሰት ኣፍሪቃዊያን፡ ግጉይ ምስልን ትርጉምን ክውሃቦ ጸኒሑ`ሎ'ሪፖርት


ሓደ ብሕብረት ኣፍሪቃን ብኣህጉራዊ ውድብ ማይግረሽንን ዝወጸ ሓደ ዓቢይ ሪፖርት ማይግረሽን ኣፍሪቃ፡ ግጉይ ምስልን ትርጉምን ክውሃቦ ጸኒሑ`ሎ ይብል ። እቲ ሪፖርት ካብ ዝብሎ ሓደ፡ መብዛሕቲኦም ኣፍሪቃውያን ፍልሰተኛታት ብጀላቡን ተንሳፈፍቲ ባሕርን ዝጉዓዙ ዘይኮኑስ ኣብ ውሽጢ`ታ ኣህጉር ዶባት ኣብ ምስጋር ዝርከቡ`ዮም።

ንዝሓለፈ ብዙሕ ዓመታት፡ ብዛዕባ ፍልሰት ስደተኛታት ዝወጽእ ሪፖርትታት፥ ብጃልባ ዝመልኡ ስደተኛታት ኣብ ወሰናስን ባሕሪ ኤውሮጳ ክራገፉ ዘርኢ ስእልታት`ዩ። ሕጂ መጽናዕቲ ዘካየዱ ክኢላታት ከም ዝብልዎ፥ እቲ ከምኡ ዝበለ ምስልታት፡ ኣብ ፖሊስታት መንግስታት`ውን ጽልዋ ጌሩ`ዩ፥ ምኽንያቱ ዝውሃብ ሓገዝ ገንዘብ፥ ናብቶም ናብ ሚዲተራንያን ዝሰግሩ ከም ዘተኩር ኮይኑ። እቶም 80% ኣፍሪቃውያን ግን ካብ ኣህጉሮም ክወጹ ድልየት ዘይብሎም ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ዝስደዱ`ዮም። ማውሪን ኣቺን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊት IOM`ያ፥ ብዛዕባ`ቲ ሪፖርት ንቪኦኤ ከምዚ ትብል " ንኣፍሪቃ ብዝምልከት ዝውሃብ ዘሎ ጉጉይ ኣገላልጻ፥ ኩሎም ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብባሕሪ ሚደተራንያን ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ይፍትኑ`ለዉ ዝብል`ዩ። እቲ ክንርእዮ ዝኸኣልና ግን መብዛሕቲኦም ኣፍሪቃያን፡ ብባሕሪ ዝሰግሩ ዘይኮኑስ ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ብመሬት ዶባት ዝሰግሩ`ዮም። ከምዚ ዝበለ ግጉይ ኣገላልጻ ድማ ኣብ ፖሊሲታት ማይግረሽንን ኣብቶም ትኹረት ዘድልዮም ፕሮግራማትን ኣሉታዉ ሳዕቤን ኣለዎ ።​"

ፍልሰት ንምዕጋት ሕብረት ኣፍሪቃ ክልተ ዓበይቲ ውሳነታት ኣሕሊፉ`ሎ፥ ሓደ ካብኦም ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ካብ ሞዛምቢክ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክጉዓዙ ኣብ ሓንቲ ናይ ጽዕነት መኪና ተዓብዒቦም ዝሞቱ 64 ኢትዮጵያውያን ዝበለ ኩነታት ንከይፍጠር ዝከላኸል`ዩ፥ ካብቶም ሕግታት ሓደ፡ ናጻ ዕዳጋ ኣፍሪቃ ዝብል ዝመጽእ ጥሪ ዝወጽእ ኮይኑ፥ እቲ ካልኣይ ድማ ምሉእ ንምሉእ ምስ ተተግበረ ኣብ ዶባት ሃገራት ቪዛ ክተርፍ ዝብል`ዩ።

" ዕላማ ናይዞም ክልተ ውሳነታት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብናጻ ምንቅስቓስ ኣቑሑትን ናጻ ምንቅስቓስ ሰባትን ኣቢልካ ናብ ኣህጉራዊ ውህደት ከም ተቕንዕ ምግባር`ዩ። ኣብዚ እዋን`ዚ መብዛሕቲኦም ኣፍሪቃውያን ናብ ካልእ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንክኸዱ ቪዛ ይሕተቱ`ዮም "

ብመሰረት`ቲ ሓዲሽ ሪፖርት፡ ነታ ኣህጉር ዝምልከት ናይ ማይግረሽን ተበግሶታት፥ ገና ኣብ ድልየትን ሃንቀውታን ኣፍሪቃውያን ዝተመርኮሰ ኣይኮነን፡ ኣብ ክንድኡ ኣብ ሃገራት ሳሕል፡ ዶባት ኣብ ምዕጻው ንዘሎ ሻቕሎት ኣተኩሩ ክስርሓሉ ይርኣይ።

እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃን ኣህጉራዊ ውድብ ማይግረሽንን ዝወጸ ሪፖርት እቲ ፖሊሲ ማይግረሽን ዕላምኡ ክሃርምን ኣድማዒ ንክኸውንን፥ ኣብ መንጎ ኣፍሪቃን ኤውሮጳን ሓበረታን ዳታን ናይ ምልውዋጥ መስርሕ ናይ ግድን ከድሊ`ዩ ይብል ።

ሳበሎ ምቦካዚ ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ሓላፊ ክፍሊ ሸቕሊ፡ ማይግረሽንን ማሕበራዊ ጉዳያትን`ዩ፥ ንሱ ውሑዳት ኣብ ፍልሰት ዝርከቡ ፍልሰተኛታት`ዮም- ናብ ኣመሪካን ኤውሮጳን ክኸዱ ዝደልዩ። ምስቶም ኣብ ውሽጢ ኣፍሪቃ ዝርአ ማይግረሽን ኣነጻጺርካ ውሑዳት`ዮም። እዚ`ዩ ትኹረት ክውሃቦ እንደልዮ- ንዕብየት ኣፍሪቃ- ይብል ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሽሕ`ኳ ጽፉፍ ዳታ ንምርካብ ዘጸግም እንተኾነ፡ ሕጂ ዘሎ ቁጽሪ ከም ዘርእዮ፡ መብዛሕቲኦም ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ዘለዉ- ብሕግን ብስርዑን`ዮም። እቲ ዝወጸ ሪፖርት ኣብ መንጎ 2011 ን 2017ን ንኣብነት፡ እቶም ካብ ሰሜንን ምዕራብን ኣፍሪቃ ናብ ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ዝኣተዉ፡ ካብቶም ብዘይ ሕጊ ብባሕሪ ናብ ኢጣልያ ዝኣተዉ ይበዝሑ ይብል ።

XS
SM
MD
LG