ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

171 ፍልሰተኛታት ካብ ማያዊ ዶባት ስፔን ምድሓኖም ተገሊጹ


ስፔን ብቕድሚ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ወሰን ማይ ደሴታት ካናሪ ካብ ሰለስተ ዝተፈላለያ ጀልባታት ብጠቕላላ ን171 ፍልሰተኛታት ኣድሒኖም።

ሓለዋ ዶብ ስፔን ክልተ ደቂኣንስትዮ ዝርከብኦም 55 ካብኦም ናብ ወደብ ኣርጉነጒን ወሲዶምዎም ኣለው።

ኣብ ቀይሕ መስቀል ዞባዊ ሓላፊ ኣንቶኒዮ ሮድሪጉወዝ ኩሎም ኣብ ፅቡቕ ኩነታት ጥዕና ኣለው ኢሉ ። ካል አይቲ ናይ ስፔን መርከብ ሓለወቲ ወሰን ማይ እውን ኣብ ክልተ ደው ዝበላ ጀልባታት ዝነበሩ 14 ደቂ ኣንስትዮን ሰለስተ ህፃናትን ዝርከብዎም 116 ፍልሰተኛታት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ናብ ደሴት ፉውርተቨንቱራ ኣግዒዛቶም ኣላ።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት ብ ኣሽሓት ዝቑጸሩ ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ንዝሓሸ ናብራ ካብ ሰሜን ኣፍሪቃ ናብ ኣውሮጳ ሓደገኛ ጉዕዞ ይገብሩ።

XS
SM
MD
LG