ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉጥ ኤርትራዊ ተዋሳኣይ ስዒድ ኣንዋር ዓሪፉ


ፍሉጥ ኤርትራዊ ተዋሳእይ ስዒድ ኣንዋር ሎሚ ቅድሚ ፋዱስ ኣብ ኣስመራ ዓሪፉ።

ካብ ኣብኡ ኣንዋር ሳልሕን ኣዲኡ ሸምሱ ሳልሕን ኣብ 1984 ዝተወልደ ስዒድ ኣንዋር፡ ብዝሓደሮ ሕማም ንሓጺር እዋን ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ዓሪፉ'ሎ።

ኣብ ዳሕረወይቲ "ማጨሎ" ትብል ፊልም ከም ቀንዲ ጠባይ ብሽም "ጆሲ" ብምውሳእ ብቕዓቱ ከም ዘመስከረን፥ ቅድሚ ሎሚ'ውን ኣብ ልዕሊ 50 ተኸታተልቲ ፊልምታት ከምዝተዋስአ ደራሲ ፊልም "ማጨሎ" ደበሳይ ወልዱ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ'ሎ።

ስነ-ስርዓት ቀብሩ ጽባሕ ሓሙስ ሰዓት 4:00 ድሕሪ ፋዱስ ክፍጸም ምዃኑ ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG