ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ፡ ጎንጺ ንምፍታሕ ብዘሎ ምንቅስቃስ ኣመራርሓ’ቲ ዞባን ፍሉጣት ሰባትን ይህደኑን ይእሰሩን ኣለው ክብል ምምሕዳር’ቲ ዞባ ይኸስስ


ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ወሎ ተላዒሉ ዝነበረ ጎንጺ ኣብ ምፍታሕ ንሓደ ወገን ናይ ምድሓን ወፍሪ ይካየድ’ሎ ክብል ኣብቲ ክልል ምምሕዳር ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ ኣማሪሩ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከብ ምምሕዳር ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ ከምዝብሎ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ጎንጺ ንምፍታሕ ብዝብል ዘሎ ምንቅስቃስ ኣመራርሓ’ቲ ዞባን ፍሉጣት ሰባትን ይህደኑን ይእሰሩን ኣለው ይብል። ናይቲ ዞባ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኦዴፓ አቶ አሚ ሙኔ ብወገኖም ነቲ ጎንጺ ዝምርምር ኮሚቴ ካብ ፈደራልን ክልልን’ቲ ዞባን ከምዝተመስረተ ገሊጾም ተጠርጠርቲ ከምዝተአሰሩን ግን ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘየለ ገሊጾም።

ቤት ጽሕፈት ጸጥታን ምምሕዳርን ክልል ኣምሓራ እቲ መረረት ብምንጻግ ልዕልና ሕጊ ክኽበር ስራሕ ይስራሕ ኣሎ፡ ተጠርጠርቲ’ውን ብመንነቶም ኣይኮኑን ዝተሓዙ ዘለው ኢሉ'ሎ።

XS
SM
MD
LG