ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ባህሊ መሪሕነት ቀደመይቲ ጓል-ኣንስተይቲ ም/ኮሚሽነር ፖሊስ ኬንያ


ዋኒኒ ኪረሪ ንመዝነት ምኽታል ኮሚሽነር ፖሊስ ኬንያ ዝበጽሐት ቀዳመይቲ ጓል-ኣንስተይቲ’ያ። ኣብታ ሃገር ዝርከባ፡ ንደቂ-ኣንስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ዝሕዛ ኣብያተ-ማእሰርቲ ምክትታል ድማ’ዩ ስራሓ። እዛ ቀዳመይቲ ሓላፊት ኣብያተ-ማእሰርቲ ኬንያ ጸኑዕ ግን ከኣ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ብዘለዎ ኣተኣላልያ’ያ እትልለ።

ዋኒኒ ኪረሪ ቀዳመይቲ ጓል-ኣስንተይቲ ምኽትል ኮሚሽነር ኣገልግሎት ኣብያተ-ማእሰርቲ ኬንያ ጥራይ ዘይኰነትስ፡ ንማእከል መሰልጠኒ ፖሊስ ራይሩ ዝመርሐት ናይ ፈለማ ጓል-ኣንስተይቲ’ውን’ያ። ኣብ 1982 ናብቲ ሞያ ዝተጸንበረት ኪረሪ፡ ኣብ በበይኖም ጽሕፍታት ክትዓዪ ድሕሪ ምጽናሓ’ያ፡ ኣብዚ መጨረሽታ ናብ ዘለዋ መዝነት ክትድዪብ ክኢላ።

ኪረሪ፡ ላንጋታ ኣብ ዝተባህለ ቤት ማእሰርቲ ደቀንስትዮ ናይሮቢ፡ ትሰርሓሉ ኣብ ዝነበረት እዋን፡ ንህይወታ ነጥበ-መቐይሮ ከም ዝነበረ ትሕብር። እቲ ስራሕ ድማ ኣብ ታሪኽ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኬንያ ሓድጊ ከተትርፍ ከም ዘኽኣላ ትኣምን።

ንሳ ናይ ቤት ማእሰርቲ ላንጋታ ጻንሖታ፡ ንኪረር ንመጻኢ ህይወታ ክትርኢ ኣኽኢሉዋ’ዩ። ጽቡቕ ስም ከተጥሪ ዝሓገዛ ድማ ዘይወላውሉ ግን ከኣ ትብዓት ዘድልዮም ስጕምታት ስለ ዝወሰደት ምዃኑ ትገልጽ።

ኪረሪ፡ መራኸቢ-ብዙሃን፡ ንኣተሓሕዛ ቤት-ማእሰርቲ ላንጋታ መጺኦም ክፍትሹን ናብ ውሽጢ ኣትዮም ደረቕን ተንቀሳቓሲን ስእልታት ክወስዱን ዘፍቀደት ቀዳመይቲ በዓልቲ-ስልጣን’ያ። ብእኡ ኣቢላ ድማ እሱራት ኣደታት ደቀንስትዮ ምስ ደቀን ከመይ ከም ዝተሓዛ ከተርኢ ክኢላ። ምስ ቍንጣሮ ቀረባት ከምእኒ መንዲል ንጽህናን ዋሕዲ ንህጻናት ዝኸውን መእለዪን፡ ኣብቲ እዋን፡ ደቀንስትዮ እሱራት ኣብ መሬት’የን ዝድቅሳ ነይረን። ኣብ ታሕተዋይ መዝነት እንከላ ዝርኣየቶ ሰንኮፍ ኣተሓሕዛ ንኽትልውጥ ናይ ውሽጢ ጻውዒት ከም ዝዀና ድማ ትኣምን።

“እቲ ዝርእዮ ዝነበርኩ ኣይተዋሕጠለይን። ሕማቕ ኣተሓሕዛ እዕዘብ ነይረ። ክልውጠሉ ኣብ ዘይክእል ደረጃ መዝነት ስለ ዘይነበርኩ ግን ክገብሮ ዝኽእል ኣይነበረን። ቈልዑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ምሓዝ ከኣ ናይ ገዛእ-ርእሱ ውሱንነት ኣለዎ።"

ኣብ ውሽጣ ዝስመዓ ዝነበረ ሓልዮት ኣብ ልዕሊ እሱራት፡ ዳሕራይ ናብ ዝተረረ ቤት ማእሰርቲ ደቂ-ተባዕትዮ ሞምቦሳ ምስ ተቐየረት’ውን ለውጢ ከተተኣታቱ ሓጊዙዋ’ዩ።

ኪረሪ ናብዚ ዘላቶ ደረጃ ንኽትበጽሕ ዘኽኣላ ተመኵሮ ስራሕ ክትገልጽ እንከላ“ናብቲ ቤት ማእሰርቲ ከም ሓለቓ ኣይኰንኩን ዝኸይድ። ኣማሕዳሪት ክሳብ ዝዀንኩ፡ ናይ ኣደ ባህሪ ተላቢሰ’የ ክሰርሕ ዝፍትን። ውጽኢት ናይቲ ከምኡ ዝመስል ኣተኣላልያ ድማ ኣብ ውሽጢ ወርሒ ርእየዮ። እሱራት ልቦም ኣውዲቖም ብግልጺ ክዛረቡኒ ጀሚሮም። እቲ መሰረታዊ ምስጢር፡ ምስማዕ ምዃኑ ከኣ ተገንዚበ።”ትብል ።

ናይ ቅድም እሱር፡ ናይ ሎሚ ኣብ ዘይመንግስታዊ ትካል ተሓላቒ ማሕበራዊ ፍትሒ ፔተር ኦውኮ፡ ሓደ ካብቶም ኪረሪ እትኣልዮ ኣብ ዝነበረት ቤት ማእሰርቲ ዝነበረ’ዩ። ቀንዲ ምስጢር ብሉጽ ኣመራርሕ ኪረሪ ምስቶም ትሕቲኣ ዘለዉ ኣባላት ምውህሃድ ምዃኑ ኦውኮ ይምስክር።

“ናይ ህዝቢ መራሒት፡ ልዕሊ ኩሉ ድማ ትሒታ እትመርሕ” ክብል ድማ ይገልጻ። እቲ ኣገባብ ኣመራርሓኣ እንኮላይ ናብቶም እሱራት ዘሪቝ ምንባሩ ይጠቅስ። ዕዉት ዝገብሮ ድማ ኵሉ-ሓቈፍ ኣተኣላልያ ምንባሩ’ዩ ኦውኮ ይገልጽ።

ዋና መርማሪ ቪንሰት ማፐሳ፡ ቅድሚ ምስ ኪረሪ ምስራሑ፡ ዝቐደሙ ሸውዓተ ኣሕሉቕቱ ሰብኡት’ዮም ነይሮም። ንውሕልነት ኣመራርሓ ኪረሪ ክገልጽ እንከሎ ድማ፤

“ኣብ መሳርሕታ ምቹእ ናይ ስራሕ ኵነት’ዩ እትፈጥር። ፍልልይ ዝብሃል የሎን። ንሰብ ብስራሑ እምበር ብኻልእ ኣይትመዝኖን’ያ። ሓያሎ መሳርሕታ ድማ ዕቝር ዓቕሞም ከርእዩ ዕድል ይረኽቡ። ኣብ መንጎኣን ካልኦት ሰብኡት ኣሕሉቕተይ ነበረን እምበኣር እዚ ፍልልይ’የ ተዓዚበ።”

ናብ ዝበረኸ ሓላፍነት፡ ምናልባት ዋና ሓለቓ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኬንያ፡ ክትድዪብ ሕልሚ ከም ዘለዋ ኪረሪ ትነግር። ካልኦት ደቀንስትዮ ከይተሰከፋን ንኣተሓስስባ ሕብረተሰብ በዲሀንን ንዝለዓለ መዝነት ክሓልማን ክሰርሓን ድማ ትጽውዕ።

XS
SM
MD
LG