ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ 4 ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ምብጻሕ የካይዱ ምህላው ተገሊጹ


ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ንጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፌልትማን፣ ካብ ትማሊ ሶኑይ ክሳብ ሰንበት፣ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን መገሻ ክፍጽሙ እዮም።

ፍሉይ ልኡኽ ኣሜሪካ ሚስተር ፌልትማን ኣብ ቀጠር፣ ስዑድ ዓረብ፣ ሕቡራት ዓረብ ኢማራትን ኬንያን ብምብጻሕ ምስ ናይ ኣርባዕቲኤን ሃገራት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ከምዝዘራረቡ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ገሊጹ።

ኣጃንዳ እቶም ፍሉይ ልኡኽ "ርጉእን ዝማዕበለን ቀርኒ ኣፍሪቃ ክህሉ ዝኽእል ምትሕግጋዝ ምድጋፍ ከምኡ'ውን ብኩሎም ወገናት ተቀባልነት ክረክብ ዝኽእል ፍታሕ ንምስሕሓብ ዓብዩ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ" ዝብሉ ከምዝኾነ’ውን እቲ ዜና ጠቂሱ።

XS
SM
MD
LG