ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ይበጽሑ


ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዳቪድ ሳተርፊልፍ
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዳቪድ ሳተርፊልፍ

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዳቪድ ሳተርፊልፍ (David Satterfield) ምስ ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣካላት ሕቡራት ሃገራትን ግብረ-ሰናይ ትካላትን ንምዝርራብ ኣብ ኢትዮጵያ ብ21ን 22ን መጋቢት ናይ ስራሕ ዑደት ከም ዝገበሩ ካብ ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ዝወጸ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ከም ሓበሬታ እቲ ዜና፡ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ዑደቶም ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሰገርን ኦባሳንጆን ሓላፊ ፖለቲካ፡ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ባንኮለ ኣዶየ(Bankole Adeoye) ከም ዝተራኸቡን ሓቢሩ ኣሎ።

ዕላማ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ንጉዳይ ሰላም ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘመልከተ ምዃኑ እንተተሓበረ'ዃ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣትዮም ምስቶም ዝምልከቶም ኣካላት ድሕሪ ዘካየዱዎ ርክብ ዝወጸ ዝርዝር ሓበሬታ ግን ዛጊት የሎን።

XS
SM
MD
LG