ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ተዘራሪቦም


ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ማይክ ሃመር ኣብ ኢትዮጵያ ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ክሰፍን ምስ መንግስቲ፣ዝተፈላለዩ ተነሓናሕቲ ሰልፊታትን ስቪክ ማሕበራትን ምዝርራቦም ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኣመሪካ ገሊፁ።

እቶም ፍሉይ ልኡኽ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወፃኢ ደመቀ መኮነን፣ምስ ኣቦ መንበር ግንባር ነፃነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳን ኣቦ መንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲናን ምዝርራቦም ተፈሊጡ ኣሎ።

ቀንዲ ዛዕባ ልዝቦም ኣብታ ሃገር ዘሎ ስእነት ሰላምን መፍትሒኦምን ምዃኑ ፕሮፌሰር መረራ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG