ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንኩነታት ኢትዮጵያ ንምዝርራብ ናብ ኢማራት ዓረብ : ቱርኪን ግብጺን ክበጽሑ'ዮም


ኣመሪካዊ ፍሉይ ልኡኽ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን
ኣመሪካዊ ፍሉይ ልኡኽ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን

ኣመሪካዊ ፍሉይ ልኡኽ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትማን፣ ማሕበረሰብ ዓለም ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ እንታይ ክገብር ከምዝኽእል ንምዝርራብ፣ ካብ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሮም ኣብ ኢማራት ዓረብ፣ ቱርኪን ግብጽን መገሻ ከምዝፍጽሙ ተገሊጹ።

ቀንዲ ዕላማ ፌልትማን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ይቅጽል ዘሎ ውግእ ብልዝብ ንምፍታሕ ዝዓለመ እዩ።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኔድ ፕራይስ "ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ውግእ፣ ንሰላምን ጸጥታን ቀርኒ ኣፍሪቃ ስግኣት ኮይኑ ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና" ኢሉ።

"ኣቀዲምና ከምዝበልናዮ፣ ናይ ኢትዮጵያ ውግእ ብወትሃደራዊ ፍታሕ ኣየብቅዕን እዩ። ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ንከብቅዕ እቲ ፈላማይ፣ ዛዛሚን እንኮ ኣማራጺ፣ ናብ ምቁራጽ ተኩሲ ምብጻሕ እዩ፣ ሸቶ መገሻ ፍሉይ ልኡኽ ፌልትማን ንዲፕሎማሲ ንምሕያል'ዩ" ክብል መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ገሊጹ።

XS
SM
MD
LG