ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ናይ 2 መዓልታት ምብጻሕ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘካይዱ ተገሊጹ


ፍሉይ ልዑኽ ኣመሪካ ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍርይ ፌልትማን
ፍሉይ ልዑኽ ኣመሪካ ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍርይ ፌልትማን

ፍሉይ ልዑኽ ኣመሪካ ንጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፍርይ ፌልትማን፣ ካብ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሮም ክሳብ ድሕሪ ጽባሕ ቐዳም ናይ ክልተ መዓልታት ምብጻሕ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዘኻይዱ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ፍሉይ ልዑኽ ፌልትማን ምስ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ምስ ወከልቲ ሕብረት ኣፍሪቃን ካልኦት መሻርኽቲ ኣካላትን ተራኺቦም፣ ተጻብኦታትንን ውግእን ዝቋረጸሉ መስርሕ ከምዝዝትዩ እቲ ቤት ዕዮ ጠቂሱ።

እቲ ሎሚ ዝተዘርገሐ መግለጺ "ኣመሪካ: ንሰላማዊትን ምዕብልቲን ኢትዮጵያ ሎሚ ተገዳሲት እያ፣ ከምኡ'ውን ህይወት ኣድሕን ንዝኾነ ሰብኣዊ ቀረባት ናብ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ንክባጻሕ ድልየታ ከምዝኾነ" ይሕብር።

XS
SM
MD
LG