ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ሚ/ጉ/ወ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ተዘራሪቦም


ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ሚ/ጉ/ወ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ተዘራሪቦም
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ምስ ሚ/ጉ/ወ ኢትዮጵያ ተራኺቦም ተዘራሪቦም

ገሊኦም መርገፅታት ኣመሪካ ህወሓት ዘይሕጋዊ ተግባራቱ ንኽቅፅለሉ ዘተባብዑ እዮም ክብል መንግስቲ ኢትዮጵያ ገሊፁ ።

ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ደመቀ መኮንን ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ጄፍሪ ፌልትመን ተራኺቦም ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዘትዮም።

ህወሓት ካብ ተግባራቱ ንኽቁጠብ ኣመሪካ ብግልፂ ክትኩንኖ ኣቶ ደመቀ መኮንን ምሕታቶምን፤ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ብወገኖም እቲ ቅልውላው ብሰላማዊ መንገዲ ክፍታሕ ሓቲቶም ክብሉ ነቲ ዘተ ኣመልኪቶም ንድምጺ ኣመሪካ መብርሂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ተዛሪቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ቱርኪ ኣትዮም ኣለዉ ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ናብ ቱርኪ ቅድሚ ምኻዶም ትማሊ ሰሉስ ኣብ ኤርትራ አላጊሶም ምንባሮም ምንጭታት ካብ ኣስመራ ንድምጺ ኣመሪካ ገሊፆም።ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራርቦም ሰበስልጣን ኤርትራ ኣወንታ ይኹን ኣሉታ ኣይሃቡሉን።

ብመሰረት መብርሂ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ እቶም ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኣባላት እዚ ሰሜን ፈፂሙዎም ንዝተባህለ ሓደጋ ሓዊሱ ስጋብ ሐጂ ንዘለዉ ተግባራቱ ዘርዚሮም ኣረዲኦምዎም ክብል ሓቢሩ።

ንዘተ ክልቲኦም ኣመልኪቶም ድምጺ ኣመሪካ መብርሂ ዝሃቡ ወሃቢ ቃል ሚንስትሪ ጉዳይት ወፃኢ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ከምዝበልዎ ህወሓት ኣብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ይፍፅሞም ንዘሎ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንኽቅፅለሉ ገሊኦም መርገፅታት ኣመሪካ ዘተባብዕዎን ናብኡ ዝወገኑን እዮም ስለዝኾነ ህወሓት ካብ ተግባራቱ ንኽቁጠብ ኣመሪካ ብግልፂ ክትኩንኖ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳይት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ሓቲቶም ኢሎም።

"ብመዳይ እቶም ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ጉዳያት ወፃእን ኣብዚ ጉዳይ ንመፃኢ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም መንግስቲ ኣመሪካ ሓደሓደ ዝወስዶም መርገፅታት ግልፅነት ዝጎደሎምን ናብቲ ዘይሕጋዊ ጊጅለ ዘዳለዉ ከምዝመስሉ ፣ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ተግባራቱ ንክቅፅል ዘተባብዕዎ ምዃኖም ገሊፆም ፤ መንግስቲ ኣመሪካ ንርክብ ክልቲኤን ሃገራትን ንሰላም ሃገራት እቲ ኸባብን ክበሃል ብግልፂ እቲ ሓይሊ ይፍጽሞ ዘሎ ተግባር ብፍላይ እቲ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝገብሮ ዘሎ ምንቅስቃስ ጠጠው ከብል ብግልፂ ቋንቋ ተዛሪቦሞም ።"

ኣምባሳደር ጄፍሪ ፈልትማን ብወገኖምኣመሪካ ኣብ ሉኣላውነትን ሓድነትን ኢትዮጵያ ዘየማትእ መርገፂ ከምዘለዋ ብምግላፅ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ቅልውላው ብሰላማዊ መንገዲ ክፍፅሕ ሓቲቶም ክብሉ ኣምባሳደር ዲና ተዛሪቦም ።

" ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ዝያዳ ንንምሕያል ከምዝድለ ብወገኖም ዘሎ ድልየት ኣልዒሎም እዮም ። ይኹን 'ምበር ነቲ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ዘሎ ቅልውላው ብሰላም ክፍታሓ ኣብ ዝኽእለሉ መንገዲ ኣድሂቦም እዮም ዘተ ኣካይዶም።"

ይኹን'ምበር ኲናት ቅድሚ ምጅማሩ ኣትሒዙ መንግስቲ ምስ ሕወሓት ዘለዎ ኣፈላላይ ንምፅባብ ዝተፈላለዩ ኣማራፅታት ሰላም እንተቅረበ'ውን ህወሓት ክቅበሎም ዘይምኽኣሉ ኣቶ ደመቀ መኮንን ንኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ኣብሪሆምሎም ። "ስለዝኾነ ድፍኢት ክግበረሉ ዝግባእ ብግብረሽበራ ንዝተበየነ ህወሓት እዩ" ምባሎም ኣምባሳደር ዲና ወሲኾም ገሊፆም።

ህወሓት ብወገኑ መንግስቲ ፌደራል ኣማራፅታት ዘተ ክቅበል ከምዘይደሊ ክገልፅ ምፅንሑ ዝዝከር እዩ። ስምምዕ ሰላም ምቁራፅ ተፃብኦ ንኽትግበር ዝተፈላለዩ ነጥብታት ቅድመ ኹነት ዘቀመጠ ህወሓት ፤ ኣብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝኣተወሉ ምኽንያት መንግስቲ ነቶም ዘቀመጦም ቅድመ ኹነት ንኽቅበልን ብኹሉ ኣንፈታት ክልል ትግራይ ዝተዓፅዉ በርታት ንኽኽፈቱ ፅዕንቶ ንምግባር እዩ ምባሉ ይፍለጥ ።

ኣብዚ እዋን ነቲ ዘሎ ቅልውላው ንምፍታሕ ብመዳይ መንግስቲ ምስ ሕወሓት ዝገብሮ ዘተ ክህሉ 'ዶ ይኸእል ክብል ዝቐረበ ሕቶ ኣምባሳደር ዲና ኣብዚ እዋን መንግስቲ ብዘቀመጦ ኣንፈት ነቲ ቅልውላው ንምፍታሕ ንፓርቲታት ፖለቲካ ክልል ትግራይ ሓዊሱ ምስ ኩሎም ፓርቲታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዘተ የካይዱ ምህላዉ ገሊፆም ።

ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ክራኸቡ መደብ ከምዘይነበሮም ኣምባሳደር ዲና ሓቢሮም ። ኣብቲ ቅድሚ ሐዚ ናብ ኢትዮጵያ ዝገበርዎ ምብጻሕ ግን ምስቶም ቀዳምይ ሚኒስትር ተራኺቦም ምዝታዮም ኣብቲ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኤምባሲ ኣመሪካ ገሊፁ ነይሩ ።

ትማሊ ምስ ኣቶ ደመቀ መኮንን ዝዘተዩ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ሎሚ ድማ ምስ ሚኒስትር ሰላም ሙፈሪሃት ካሚልን ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ዶ/ር ጌድዎን ጢሞትዎስን ክዝትዩ ምዃኖም ኣምባሳደር ዲና ተዛሪቦም ።

ቅድሚ ናብ ኢትዮጵያ ምብፆሖም ናብ ጁቡቲ ከይዶም ዝነበሩ ኣምባሳደር ጄፍሪ ፌልትማን ኣብዚ ጉዕዘኦም ናብ ሕቡራት ሃገራት ዓረብ ኤምሬት'ውን ክበፅሑ እዮም ። ይኹን'ምበር ኣብ ክልቲኤን ሃገራት ዝገብርዎ ምብፃሕ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ዝምልከት ይኹን ኣይኹን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓበሬታ ከምዘይብሉ ኣምባሳደር ዲና ገሊፆም ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ንስራሕ ንምብፃሕ ናብ ቱርኪ ምኻዶምን ኣብዚ እዋን ኣንከራ ከምዝርከቡን ቤት ፅሕፈቶም ሎሚ ኣፍሊጡ ። ከምኡ'ውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ቅድሚ ናብ ቱርኪ ምብራሮም ንሓደ መዓልቲ ኣብ ኤርትራ ምብፀሖም ፀብፃባት ካብ ኣስመራ ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም ። ይኩን 'ምበር ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ሰበስልጣናት መንግስቲ ግን ነዚ ከረጋግፁ ኣይከኣሉን ።

XS
SM
MD
LG