ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፌልትማን ካብ መዝነቶም ከምዝለቁ ተገሊጹ


ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፌልትማን
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፌልትማን

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፌልትማን ካብ መዝነቶም ከምዝለቁ ተገሊጹ

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ናብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጀፈሪ ፌልትማን ኣብዚ ስራሕ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ድሕሪ ምግልጋሎም ኣብዚ ወርሒ ጥሪ ካብ ሓላፍነቶም ከምዝወርዱ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ተሰናባቲ ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ቱርኪ ዴቪድ ሳተርፊልድ ነዚ ሓላፍነት ከምዝርከቡ ኣብቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ዘለዎም ሰለስተ ምንጭታት ሎሚ ረቡዕ ንሮይተርስ ገሊፆም።

ኣብ ሚያዚያ ዝተሸሙ ፌልትማን ንርእሶም ኣብ ክልተ ዓበይቲ ቅልውላዋት እዮም ረኺቦም።ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ንህወሓት ዝድግፉ ሓይልታትን ሰራዊት ቀዳማይ ሚንስትርን ኣብይ ኣሕመድን እናገደደ ዝኸደ ሕድ ሕድ ኵናት ከምኡ'ውን ዕልዋ መንግስቲ ሱዳንን።

ኣቐዲሙ ዘይተፀብፀበ ምልቃቖም ዝስማዕ ዘሎ ኣመሪካ እቲ ግጭት ከብቅዕ ትግበሮ ንዘላ ዳሕረዋይ ፃዕሪ ፌልትማን ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ንምርኻብ ፅባሕ ሓሙስ ናብ ኢትዮጵያ ቅድሚ ምጋሾም እዩ።

62 ዓመት ዝዕድሚኦም ፌልትማን እቲ ሓላፍነት ዝወሰዱ ንትሕቲ ሓደ ዓመት ምዃኑ ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ኣፍልጦ ዘለዎ ምንጪ ሓቢሩ ኣሎ።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብቲ ጉዳይ ርእይቶ ንምሃብ ፍቓደኛ ኣይኮነን።

ፌልትማን ዝድለ ምዕባለ ኣብ ምምፃእ ዕንቅፋት ገጢሙዎም እዩ።ልዕሊ ሓደ ዓመት ዘቑፀረን ሓደ ካብ ናይ ኣፍሪቃ ደማዊ ግጭትን ንኣሽሓት ስቪላት ቀቲሉ፣ንሚሊዮናት ኣመዛቢሉን ዓፀቦ ኣስዒቡን እዩ።

ዴቪድ ሳተርፊልድ ኣብ ናይ ኣመሪካ ናይ ወፃኢ ኣገልግሎት ልዕሊ ኣርብዓ ዓመታት ተመኩሮ ዘለዎም ክኾኑ ከለው ኣብ ቱርኪ በዳሂ ዝኾነ ናይ ኣምባሳደርነት ስራሕ ነይሩዎም።ኣብ መንጎ ክልተ ናይ ኔቶ ኣጋር ሃገራት ዘሎ ሓርፋፍ ክልትኣዊ ርክባት ዝመርሑ ዲፕሎማት እዮም።

ቅድሚ ናይ ኣንካራ ሓላፍነቶም ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ሊባኖስ፣ ቱኒዚያን ሶሪያን ሰሪሖም እዮም።ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ንጉዳያት ማእኸላይ ምብራቕ ብደረጃ ተጠባባቒነት ክልተ ግዜ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣመሪካ ብምዃን ኣገልጊሎም።

ኣብ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ትልእኾ ዘላ ሓዊሱ ቱርኪ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ድሮናት ናብ ወፃኢ ምልኣኽ እናወሰኸ ምኻዱ ናይ ሳተርፊልድ ሓዱሽን ዝፀንሐን ስርሖም ክኸውን እዩ።ቱርኪ ንኢትዮጵያ ወታሃደራዊ ድሮናት ምሻጣ ብዝምልከት ኣመሪካ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንቱርኪ ኣልዒላትላ ኣላ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣንፃር ተዋጋእቲ ኣፅዋራት ምጥቃሙ ዝሕብሩ መረዳእታት እናወሰኹ ምምፆኦም ምንጭታት ይገልፁ።

XS
SM
MD
LG