ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃን ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ምዝርራቦም ተገሊጹ


ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጀፍሪ ፈልትማን፡ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጀፍሪ ፈልትማን፡ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ

ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ጀፍሪ ፈልትማን፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ምስ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ ትማሊ መስከረም 1,2021 ከም ዝተዘራረቡ ተፈሊጡ።

ኵላቶም ወገናት ተጻብኦ ኣቋሪጾም ኣብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡን ንሰብኣዊ ሓገዝ ዘይተገደበ ኣፍደገ ክፈቕዱን ፈልትማን ከም ዘተሓሳሰቡ ኣብ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሪቃ ዝተዘርግሐ ናይ ትዊተር መልኽእቲ ኣፍሊጡ።

ንርክብ ክልተ ሰብ-መዚ ኣመልኪቱ ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ዝወጽእ ከነስዕበልኩም ኢና።

XS
SM
MD
LG