ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ሕ/ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ቫይረስኮሮና ንሕብረት ኣውሮጳ ወቒሱ


ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ኮቪድ 19 ስትሪቭ ማሲዪዋ ንሕብረት ኤውሮጳ ወቒሱ:: ንሱ ኤውሮጳውያን ኣቕረብቲ ዕዳጋኹም ክፈቱልና ክታበት ክንገዝእ ዝብል መጸዋዕታ ኣቕሪቡ፡:

ምስዚ ዝተሓሓዝ ኢትዮጵያን እስራኤልን ክታበት ኮቪድ19 ብሓባር ዘፍርያሉ ኣገባብ ተመያይጠን።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ፋና፡ ሚኒስትር ጥዕና ኢትዮጵያ ሊያ ታደሰን ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር እስራኤል ኣለልኝ ኣድማሱን ምኽትል ኣምባሳደር ኦር ዳኒኤልን ተራኺቦም ኣብ ዓውዲጥዕና ብሓባር ዝሰርሕሉ ኣገባባት ዘትዮም።

ኣገልግሎት ዜና ፋና ኣብቲ እዋን ኢትዮጵያን እስራኤልን ክታበት ኮቪድ 19 ከፍርያሉ ዝኽእላ ህንጸት ዓቕሚን ኢንቨስትመንትን ብዝምልከት ምዝታዮም ካብ ኤምባሲ እስራኤል ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት ይብል ።

.


XS
SM
MD
LG