ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ሕ/ኣፍሪቃን ኣመሪካን ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምላሶም ተገሊጹ


ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ንቀርኒ ኣፍሪቃ ኦሊሴጉን ኣባንሳንጆ 'ሓቂ ናይ ምንዳይ ስራሕ' ንዝበልዎ ፃዕሪ ሽምግልና ብምቕፃል ናብ ኣዲስ ኣበባ ምምላሶም ገሊፆም።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ቀርኒ ንኣፍሪካ ጀፍሪ ፌልትማን ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮነን ምዝርራቦም ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ሓቢሮም።

ሎሚ ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃዋሳ ኣብ ዝተኸፈተ ማእኸል ዲፕሎማሲ ዝተረኸቡ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ምስ ድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዘካየዱዎ ሓፂር ቃለ ምልልስ ኦባሳንጆ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝምልከት ምስ ዝተፈላለዩ ወገናት ዘካይዱዎ ዝርርብ ክቕፅል እዩ ኢሎም።

ኦባሳንጆ ኣብ ምንዳይ ሰላም ዝሓዙዎ ፍታሕ ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ መብርሂ ክህቡ ትፅቢት ከምዘሎ ሚንስትር ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ ኣሎ ።

XS
SM
MD
LG