ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ምዝርራቦም ተገሊጹ


ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር
ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ማይክ ሃመር ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰበስልጣን ህወሓትን ምዝርራቦም ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣፍሊጡ።

ዝሓለፈ ሰኑይ ኣዲስ ኣበባ ዝኣተው ማይክ ሃመር ምስ ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኣቶ ደመቀ መኮነንን ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴንን ብምርኻብ "እቲ ኵናት ብቅልጡፍ ጠጠው ክብልን ብሕብረት ኣፍሪቃ መሪሕነት ናብ ልዝብ ሰላም ከምርሕ ከምዘለዎን ምዝርራቦም’’ ከምኡ'ውን ምስ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ብምርኻብ ተመሳሳሊ መልእኽቲ ምሕላፎምን ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ምኽትል ወሃቢ ቃል ቬዳንት ፓቴል ተዛሪቦም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ግጭት ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ንፀገም ዝተቓልዑ ሰባትን ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤትን ተፅዕኖ የሕድር ከምዘሎ ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ናብ ክልል ትግራይ ብመሬት ይኹን ብኣየር ዝግበር ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዝተቋረፀ ቤት ፅሕፈት ኣዋሃሃዲ ጉዳያት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ብኻልእ ወገን ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ኵናት ምእታው ብዝምልከት ርእይቶ ዝሃቡ ኣብ ብሪጣንያ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ተፈሪ መለስ ነቲ ዶብ ዝቖፃፀርዎ ሓይልታት ህወሓት ስለዝኾኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ኤርትራ ኣብ ዘዳውብ ንዝፍጠር ነገር ተሓተቲ ኣይኮናን ኢሎም።

ሓይልታት ህወሓት ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ መጥቓዕቲ ትፍፅም ኣላ ክብሉ ይኸሱ። ብዛዕባ እዚ ክሳብ ሎሚ ካብ ኤርትራ ምላሽ ኣይተውሃበን ።

XS
SM
MD
LG